Pinned Tweet
Life isn't a matter of milestones, but of moments."@HagerMetkel @arag9105
ፈለግ ሰውራ retweeted
Very interesting. Please read full content.
"እዚ በዚ ትግራዋይ ዜጋ ተፈጺሙ ዘሎ ታሪኻዊ ስጉምቲ እምበኣር፡ ካብ ዘለዎ ውሱን ከባቢ ሓሊፉ ከም ኣካል ታሪኻዊ ዛንታን ቃልስን ሕብረተሰብ ዓለም 🌍ክዝረበሉን ክስነድን ዝግብኦ ፍሉይ ሰብኣዊ ፈጻመ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቲ’ዚ ሓርበኛ ክስንብድን ክደንን ዘይኮነስ፡ መስዋእቱ ምልክት “ጽኑዕ መኸተ” ምዃኑ ክርዳእ'ዩ ዘለዎ። ነቲ ናብዚ ሰጉምቲ ክወድቕ ዝደፋፍኦ ክድዓት፡ ግፍዕን ፕለቲካዊ ኣደራዕን ከኣ ተሓታትነት ክህልዎ ⚖️ ክግበርን ንመስዋእቱ ከም መልእኽቲ ህጹጽ ናይ "መኸተ ደወል🔔" ኣብ ህልዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክጥቀመሉን ክንድ'ቲ ዝግባእ ክጋዋሕን 🎙️ ግዚኡ'ዩ።"
facebook.com/share/1CgSuMbYo…
ፈለግ ሰውራ retweeted
The international community must take decisive punitive action against the UAE’s rulers and ensure they are held accountable for their alleged crimes before the International Criminal Court in The Hague! ##UAEGenocider #UN @SecRubio @antonioguterres @realDonaldTrump
ፈለግ ሰውራ retweeted
ዲሲፕሊን - ሕላገት ሰራዊት ኤርትራ - ካብ ማህደር ሓቂ
ማህደር ሓቂ (mahder haqi) Playlist - youtube.com/watch?v=-sKaV1QY…
#Eritrea
ፈለግ ሰውራ retweeted
“ዝተዋህበና ሽልማት፡ ሞራልናን ዓቕምናን ከነዛይድ ዝሕግዘና’ዩ” ተሸለምቲ ተማሃሮ
ዮሴፍ ሃይለማርያም
ስእሊ፦ ዮውሃንስ መብራህቱ
ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ፡ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2025-2026 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ፡ ልዕሊ90% ነጥቢ ንዘምጽኡ ተማሃሮኡ፡ ሽልማት ብምሃብ ኣተባቢዑ። ኣብ’ቲ ብስነ- ጥበባዊ ምርኢት ተማሃሮ ተሰንዩ ብቐዳም 31 ጥቅምቲ ኣብ ቀጽሪ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ኣመሓዳሪ ን/ዞ/ ማይተመናይ ኣቶ ሰለሙን ሃይለ፡ ጸሓፊት ህግደፍ ን/ዞ/ ማይተመናይ ወ/ሮ ጽጌረዳ ተወልደን ካልኦት ሓለፍቲ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባን ተረኺቦምን ንብሉጻት ተማሃሮ ሽልማት ዓዲሎምን።
ድሕሪ’ቲ ብዝኽረ ሰማእታት ዝጀመረ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ዳይረክተር ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ መም/ ሙሴ ብርሃነ’ዩ ሓጺር ቃል ኣስሚዑ። መም/ ሙሴ፡ ንዕዉታት ተማሃሮን ወለድን፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽን፡ እንቋዕ ኣሓጎሰኩምን ውጽኢት ዘይሕለል ጻዕርኹምን ጽኑዕ ምክትታልኩምን ክትሓፍሱ ኣብቃዓኩምን ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተፈተኑ 352 ተማሃሮ፡ እቶም 315 (89.8%) ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ከም ዝሓለፉ ሓቢሩ። ካብ’ቶም ዝሓለፉ፡ እቶም 44 ተማሃሮ ልዕሊ 90% ነጥቢ ከመዝግቡ ከለዉ፡ ካብኣቶም እተን 28 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ድማ ኣረዲኡ።
መም/ ሙሴ ኣስዒቡ፡ ንኹሎም ብሉጽ ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተማሃሮኦም መዳልያን ወረቐት ምስክርን ክሽልምዎም ምዃኖም ጠቒሱ፡ ብፍላይ ነታ 98.8% ነጥቢ ዘምጽአት ሓንቲ ተማሃሪትን፡ ነተን 98.4% ዘምጽኣ ሰለስተ ተማሃሮን ድማ፡ ብቤትሮ ብፍሉይ ቅርጺ ዝተሰርሐ ሽልማት ከም ዝዕደል ሓቢሩ። እዚ ሳላ ፍረ ጻዕሪን ምውህሃድን ተማሃሮ፡ ወለድን መማህራንን ተመዝጊቡ ዘሎ ብሉጽ ውጽኢት ቤት ትምህርቶም፡ ዝቕጽል ዓመት ልዕሊኡ መጠን ብቕዓት ክምዝገብ ከምዝከኣል ዝእምት ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ፡ ብሕጂ’ውን ጻዕሪ ቤት ትምህርቲ፡ ተማሃሮን ወለድን ክሕይል ኣዘኻኺሩ።
ንተሸለምቲ ተማሃሮ’ውን፡ ኣብ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቶም፡ ብዲሲፕሊንን ሃገራውነትን እናተሃንጹ፡ ብቕዓቶም ዓቂቦም ክቕጽሉ’ሞ፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን እጃሞም ከበርክቱ መም/ ሙሴ ተላብዩ። ኣብ መወዳእታ ዳይረክተር ማእከላይ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ መም/ ሙሴ ብርሃነ፡ ዓመት መጽአ፡ ንብሉጻት ተማሃሮ ብወጻኢታቱ መዳልያታት ንዘዳልወሎም፣ ሎሚ ዓመት’ውን ን44 ተማሃሮ ማዳልያታትን ነቶም 4 ብሉጻት ድማ ብቤትሮ ዝተቐርጸ ፍሉይ ሽልማትን ንዘዳለወሎም ኣቶ ዳዊት ጸሃየ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ቀጺልና ንገለ ካብ ተሸለምቲ ተማሃሮን ወለዶምን ኣዘራሪብና ነይርና። ፈለማ 98.4% ኣምጺኣ ብቤትሮ ብፍሉይ ዝተቐርጸን መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝዓተረት ሃብረም ተማሃሪት ናኦሚ ተስፋልደት ኢና ተወኪስናያ። ተማሃሪት ናኦሚ፡ ነዚ ዓወት ከተምጽእ ዝበቕዐት፡ ሻሙናይ ክፍሊ ከይጀመረት ከላ፡ ናይ 6ይን 7ይን ክፍሊ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣቐዲማ ስለ ዘጽንዓቶ፣ ናይ 8ይ ክፍሊ ድማ ኣብ ክፍሊ ጽቡቕ ገይራ ሳላ ዝተኸታተለት ምዃና ትሕብር። ወለዳ’ውን ኣብ ግዜ መጽናዕታን ትምህርታን፡ ብፍቕርን ሓልዮትን ጠሚቶም ብኹሉ ስለ ዝደገፉዋ፡ ዓወታ ንዓታቶም ከም እተወፍዮ ሓቢራትና።
ወላዲኣ ኣቶ ተስፋልደት መሓሪ፡ ብውጽኢት ናኦሚ ጓሉ ዝለዓለ ሓጎስን ዕግበትን ከም ዝተሰምዖ ብምግላጽ፡ ጓሉ ሓንቲ ካብ’ቶም ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽኡ ኣርባዕተ ተማሃሮ ተሰሪዓ ነዚ ሽልማትን ምትብባዕን ክትወስድ ምብቅዓ፡ ኣብ ቀጻሊ ዓወታ ሓያል ሞራልን ተስፋን ከም ዝኾና ሓቢሩ። ቤት ትምህርቲ ንዝገበሮ ሞራልን ምትብባዕን ድማ ኣድናቖቱ ገሊጹ። ወላዲታ ወ/ሮ ኣልማዝ ጸጋይ ብግደኣ፡ ናኦሚ ጓላ ልዑል ተውህቦ ናይ ትምህርቲ ዘለዋ፡ ብጠባያ፡ ስነ-ስርዓታን ኣቓልቦኣን ድማ ሓያል ቈልዓ ምዃና ጠቒሳ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ኣምጺኣ ፍረ-ጻዕራ ክትሓፍስን ነዚ ሽልማት ክትዓትርን ምኽኣላ ሓጎሶም ወሰን ከም ዘይብሉ ገሊጻ። ዝተዋህባ ሽልማት ሞራል ዘስንቓ፡ ኣብ ዝቕጽል ትምህርታ’ውን ዝለዓለ ነጥቢ ኣምጺኣ ትምህርታ ክትዛዝም ከም ዝሕግዛ ብምግላጽ፡ ንኹሎም መማህራና ኣመስጊና።
ተማሃሪት ሩፍታ ተኽለ 98.4% ኣምጺኣ፡ ብቤትሮ ብፍሉይ ዝተቐርጸ፡ ከምኡ’ውን መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተሸለመት’ያ። እዚ ሽልማት፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ካብ’ቲ ዝነበረቶ ዝያዳ ነፊዓን ሞራል ገይራን ዝበለጸ ውጽኢት ከተመዝግብ ከም ዝድርኻ ከኣ ገሊጻትልና። ተራ ወለዳን ዓበይቲ ኣሕዋታን ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ዝጠቐሰት ተማሃሪት ሩፍታ፡ እዚ ዓወት ንወለዳ ከም ተወፍዮ ሓቢራትና። ንሩፍታ ወላዲታ ወ/ሮ ሓዳስ ጎይትኦም ብወገና፡ ሩፍታ ጓላ፡ ብኹሉ ንፍዕትን መስተውዓሊትን ኮይና ብዝለዓለ ነጥቢ ክትሽለም፡ ከምኡ ድማ ኣሰር ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋታ ክትስዕብን ምብቅዓ ልዑል ሓጎስ ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ፣ ንቤት ትምህርቲ’ውን ስለ’ቲ ዝገበሮ ሽልማትን ምትብባዕን ኣመስጊና።
ተማሃሪት ዮካቤድ ምስግና 96% ኣምጺኣ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተሸለመት’ያ። ተማሃሪት ዮካቤድ፡ ነዚ ዓወት ብሳላ ውልቃዊ ጻዕራ፡ ዘይሕለል ደገፍን ምትብባዕን ወለዳን፡ ከምኡ’ውን ሞራልን ምክትታልን መማህራና ዝተጐናጸፈቶ ምዃኑ ገሊጻ። ተማሃሪት ዮካቤድ፡ ኣብ ኣጸናንዓ እትጥቀመሉ ሜላ፡ ፈለማ ኣብ ክፍሊ ብጽሞና ከም እትከታተል፡ ገዛ ምስ ከደት’ውን ጽቡቕ ገይራ ከም እትደግሞ፡ ዘድልያ መጽናዕትን ምጽፋፍን ገይራ ንትምህርታ ከም እትብገስ’ያ ሓቢራትና። ብዘይካ’ዚ፡ ተማሃሪት ዮካቤድ፡ ኣብ 2025 ብዞባ ማእከል ደረጃ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ክትዕ (debating) ቀዳመይቲ ወጺኣ፡ ስማን ስም ቤት ትምህርታን ዘጸውዐት ሃብሮም’ያ።
ተማሃራይ ኣራም ስምኦን 94% ኣምጺኡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተዓደለ ኮይኑ፡ እዚ ሽልማት፡ ንዕኡ ሓጎስ፡ ንወለዱን ቤት ትምህርቱን ድማ ኩርዓት ስለ ዝፈጠረሎም፡ ሞራሉን ስምዒቱን ሓፍ ከም ዝበለ ሓቢሩ። ተጐናጺፍዎ ዘሎ ዓወት፡ ብመደብ ተመሪሑ ስለ ዘጽንዐ፣ ኣብ ክፍሊ ብዕቱብ ስለ ዝተኸታተለ፣ ኣብ ጀነራል ቅድሚ ናብ ፈተና ምእታዉ ንኹሉ ዓይነት ትምህርቲ ኣቐዲሙ ስለ ዘጽንዖን ዝደጋገሞን ምዃኑ’ውን ገሊጹ። ኣብ’ዚ ደረጃ ንዘብጽሑዎ ወለዱ ብምምስጋን ከኣ፡ እዚ ዓወት ንኣታቶም ከም ዘወፍዮ ይሕብር። ተማሃራይ ኣራሚ፡ ኣብ 2025 ብደረጃ ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ መደብ ክትዕ (debating) ተሳቲፉ’ውን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ስሙን ስም ቤት ትምህርቱን ዘጸውዐ ሃብሮም’ዩ።
ተማሃራይ ሆሴእ ዮናስ 96.8% ብምምጻእ፡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተሸለመ’ዩ። ተማሃራይ ሆሴእ፡ ነዚ ዓወት ክጐናጸፍ ዝበቕዐ፡ ንግዜኡ ብጽቡቕ ስለ ዝተጠቕመሉ፡ ኣብ ክፍሊ ብጽሞና ስለ ዝከታተል፡ ኣብ ገዛ’ውን ብመደብ ስለ ዘጽንዕ ምዃኑ ይሕብር። ወለዱ’ውን፡ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ሕጂ ካብ እግሩ ከይተፈልዩ፡ ዘድሊ ናውቲ ትምህርቲ እናቐረቡን ዘይተረድኦ እናሓገዙን ስለ ዘተባብዕዎ፡ እዚ ዓወት ንዓታቶም ከም ዘወፍዮ ገሊጹ። ወላዲኡ ኣቶ ዮናስ ሚኪኤል ብግደኡ፡ ሆሴእ ወዱ ካብ ንእስነቱ ትኩርን ልዑል ተገዳስነት ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብውልቃዊ ጻዕሩን ጻዕሪ ናይ ወለዱን መምህራኑን ተሓጊዙ፡ ኣብ’ዚ ዓወት ክበጽሕ ምኽኣሉ፡ ሕጉስን ዕጉብን ከም ዝኾነ ገሊጹ። ቤት ትምህርቲ ንዝገበረሎም ምትብባዕ ድማ ኣመስጊኑ።
ተማሃሪት ኤልያና ሰመረ 92% ኣምጺኣ፡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝዓተረት’ያ። ተማሃሪት ኤልያና፡ ኣብ መጽናዕታ ንኹሉ ብመደብ ተጽንዖ ከም ዝነበረት፣ ኣብ’ቲ ሓገዝ ዘድልያ ድማ ንወለዳን መማህራናን ትሓትትን ምስ መሓዙታ ብምዃን ተጽንዕን ምንባራ ብምግላጽ፡ ኣብ’ዚ ዓወት ንኽትበጽሕ ንዝደገፉዋ ወለዳን መማህራናን ኣመስጊና። ሽልማት ሂቡ ንዘተባብዖም ቤት ትምህርቶም’ውን ኣመስጊና። ወላዲታ ወ/ሮ ራህዋ ሓይልኣብ ብወገና፡ ከም ወላዲት ዘድልያ እናቐረበትን ሞራል እናሃበትን ንኤልያና ጓላ ትከታተላ’ኳ እንተ ነበረት፡ እቲ ዝበዝሐ ግን፡ ብውልቃዊ ጻዕራ ዝተጐናጸፈቶ ዓወት ምዃኑ ተረድእ። ፍረ-ጻማ ጓላ ክትርኢ ምብቅዓ ሕጉስቲ ምዃና ብምሕባር ድማ፡ ኣሰር ናይ’ቲ ምሉእ ነጥቢ ኣምጺኡ ኮለጅ ዝተጸንበረ ዓቢ ሓዋ ስዒባ፡ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርታ ንኽትዛዝም፡ ደገፋን ሓልዮታን ከም ተዛይደላ ገሊጻ።
ተማሃራይ ሰናይ ኤርምያስ፡ 90% ኣምጺኡ መዳልያን ወረቐት ምስክርን ዝተዓደለ’ዩ። ተማሃራይ ሰናይ፡ ብጻዕሩ፡ ምትብባዕን ምክትታልን ወለዱን፡ ሓገዝ መማህራኑን ነዚ ዓወት ክበጽሕ ከም ዘኽኣለ ብምሕባር፡ እዚ ሽልማት ፍሉይ ሞራልን ሓጎስን ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ። ወላዲቱ ወ/ሮ ሰናይት በርሀ’ውን፡ ሰናይ ወዳ ብሳላ ጻዕሩን ተገዳስነቱን፡ ነዚ ዓወት ክጐናጸፍ ምብቅዑ ዝተሰምዓ ሓጎስን ሓበንን ብምግላጽ፡ ብስድራ’ውን ዘድሊ ሓገዝን ቀረብን ከም ዝግበረሉ ኣረዲኣ። ተራ ወላዲ ኣብ መንፍዓትን ዓወትን ውላድ ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ወለዲ ምክትታሎም ከዛይዱ ተላብያ።
ኣቶ ሃብቶም ተኸስተ፡ ን19 ዓመታት ከም ኣቦ መንበርን ኮሚቴ ወለድን ኣባል ኮሚቴ ወለድን ኮይኑ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣስመራ ሓፈሻውን ዋርሳይን ዝሰርሐን ዝሰርሕ ዘሎን ዜጋ እዩ። ንሱ፡ እዚ ብተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፡ ኣዝዩ ብሉጽ፣ ብቐንዱ ድማ ፍረ ጻዕሪ ተማሃሮን መምህራንን፡ ምስኡ’ውን፡ ወለዲ ንዕዉታት ደቆም ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ግቡእ ክንክንን ናብዮትን ምክትታልን ስለ ዝገበሩ ዝተሓፍሰ ምዃኑ ሓቢሩ። እዞም ተማሃሮ ተረከብቲ ዜጋታት ናይ’ዛ ሃገር ስለ ዝኾኑ፡ ኮስኲስና ኣብ’ቲ ዝብጻሕ ንኸነብጽሖም ናይ ኩልና ሓላፍነትን ጾርን ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ። ማእከለይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ፡ ብሉጽ መጽንሒ ህጻናት፡ ብቪድዮ ዝመሃሩሉ ክልተ ክፍልታት፡ ክፍሊታት ላቦራቶሪ፡ ንተማሃሮን መማህራንን ዘገልግላ ዓበይቲ ቴለቪዥናትን ካልእ ናውቲ ትምህርትን ዓጢቑ ንዘካይዶ ዘሎ ገስጋስ ድማ ንኢዱ።
ፈለግ ሰውራ retweeted
ፈስቲቫል ባህላዊ ትንሳኤ ብሊን ኣብ ሓሊብመንተል
ገርግስ ፍቓድ
ሓሊብመንተል ካብተን ዓበይቲ ዝበሃላ ጥርኑፋት ዓድታት ብሊን ኣብ ቀዳምነት እትጥቀስ ኮይና፡ ከም ጂኦግራፍያዊ ኣቃውማ’ውን ኣብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ-ከረን፡ ኣብ የማነ ጸጋም ደረት ጽርግያ ካብ ከተማ ከረን ንምብራቕ ናይ ዓሰርተ ኪሎሜተር፡ ካብ ሓውሲ ከተማ ዒላበርዕድ ንምዕራብ ከኣ ተመሳሳሊ ዳርጋ ዓሰርተ ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ ንኹለን ኣብ ክሊ’ዚ ከባቢ’ዚ ዝርከባ ጐደቦታት ዓድታት ብሊን እተማእክል ናብ ሓውሲ ከተማ ገጻ ዝማዕበለት፡ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዕምርቲ ዓዲ እያ።
ኣብ ሓሊብመንተል ዓመታዊ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ፡ ብኣጋጣሚ ዳሜራ (በዓለ መስቀል) ብፍሉይነት ዝጽንበል፡ ኣብ ትንሳኤን ዕቃበን ባህሊ ብሊን ፍሉይ ሕላገት ዘለዎ ባህላዊ ፈስቲቫል ይካየድ ኣሎ። እዚ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ዝሳተፎ ጽንብል ዓመት-መጸ ፍሉይ ምድላዋት እናተገብረሉ ብደረጃ ዓድታት ዝቐርብ ዝተፈላለየ ባህላዊ መደባት እዩ ዘአንግድ።
እቲ ጽንብል ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ኮይኑ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተዳኸመን እናሃሰሰን ዝመጸ ባህላዊ ጸወታታት እዩ። ክሳብ መጀመርያ መፋርቕ ዕቑድ 2000 ኣብ ዝነበረ መድረኽ፡ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪት ድሕሪ’ቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ምዝዛሙ ዝቕጽል ዳርጋ ናይ ብምሉአን ዓድታት ብሊን መንእሰያት ከበሮታቶም ሒዞም ብምምጻእ ካብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ ጀሚርካ ክሳብ መቐልቀሊ ከተማ ኣብ ዘሎ ቦታ በብዓዶምን ጎደቦታቶምን እናተኣኻኸቡ ናይ ጓይላ መድረኻትን ባህላዊ ጸወታታትን የካይዱ ምንባሮም ይዝከር። እቲ ባህላዊ መደብ ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ምስቲ ዝነበረ ጸጥታዊ ኩነታት ከማስዩ ስለዘይፍቀደሎም ብጥርኑፍ ነናብ ዓዶም ብምኻድ ይቕጽልዎ።
ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ’ዚ ሎሚ ስታድዩም ከረን ተሃኒጹሉ ዘሎ ቦታ ዝጽንበል ኣብ ዝነበረ በዓለ መስቀል’ውን ብተመሳሳሊ ድሕሪ’ቲ ወግዓዊ ጽንብል እቲ ሂር ዝብል ድሙቕ ጓይላታት ዓድታት ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ቀጺሉ ይውዕል ነይሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት’ዚ ዝወጽእ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሕደማታት፡ ንመድረኻዊ ኩነታት፡ ንማሕበረ-ባህላዊ ህይወት፡ መነባብሮ፡ ፍቕሪ … ዝገልጽ ተዘካሪ ደርፍታት ኣሎ።
ከም ኩለን ብሄራት ሃገርና፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ብሄረ ብሊን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ወቕትታት ናይ ዓመት ዝካየዱ፡ ምስ ሕርሻ፡ መጓሰን ማሕበረ-ባህላዊ ህይወትን ናይቲ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ወግዕታትን ያታታትን ኣለዉ። ናይ ብሊን ያታዊ ዓውደ-ኣዋርሕ’ውን ምስ ወቕቲ ኣየት፡ ክራማት፡ ሓጋይን ቀውዕን ተዛሚዱ ዝኸይድ እዩ።
ኣብቲ ሎምዘበን ኣብ ቀጽሪ ደብሪ መስቀል ዝተኻየደ ጽንብል ባህላዊ ፈስቲቫል፡ ኣመሓዳሪት ን/ዞባ ዒላ በርዕድ ወ/ሮ ዓሻ ዓሊኖር፡ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ሓመድዓሊ እድሪስ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸተኣብ፡ ሓላፊ ጨ/ባህሊ ዞባ ዓንሰባ መም. ሃብተማርያም መሓሪ፡ ስታፋት ምምሕዳርን ወከልቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ን/ዞ ዒላበርዕድ፡ ዓበይቲ ዓዲን ህዝብን ተረኺቦም ነይሮም።
በዓለ መስቀል (ዳሜራ) ሃያማኖታዊ ጽንብል’ኳ እንተኾነ ድሕሪ’ቲ ቅዳሴን መንፈሳዊ መደባት ኣምልኾ ምዝዛሙን፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ንባህላዊ ንጥፈታት ዝተወፈየ እዩ። ነዚ መደባት’ዚ ንምንጥጣፍን ንምዕዋትን ኣባ ረዘነ በረኸተኣብ ዝርከብዎም ናይ’ቲ ከባቢ ቆሞሳትን ሓለፍቶምን ኣተባባዕን እወታውን ተራ ኣለዎም።
ሎምዘበን ብኣወሃሃዲት ኮሚቴ ባህላዊ ፈስቲቫል ሓሊብመንተል ምርኢተን ከቕርባ ዝተመዘዛ ዓድታት ወስበንስሬዂ፡ ቊንዕ፡ ደረቊን ሓሊብመንተልን ብድምር 4 እየን። ነፍሲ ወከፈን ከኣ ዘዝተዋህበን ባህላውን ያታውን ወግዒ ሒዘን ብተራ መስርዕ ቀሪበን። እቲ ጽንብል በብእዋኑ እናማዕበለን እናወርጸጸን፡ ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ብተኸታታሊ ክካየድ ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7 ዓድታት እየን ተመሳሳሊ መደባት ኣቕሪበን።
ነቲ ምርኢት ተባሂሉ ዝተዳለወ ኣዳራሽ ይኹን መድረኽ (ስቴጅ) ስለዘየሎ፡ ኣብ ሌጣ ጎልጎል ናይ’ቲ ቀጽሪ እየን መደባተን ዘርእያ። እቲ ዝቐረበ ምርኢት፡ ነፍሲወከፍ ዓዲ ኣቐዲማ ምድላዋት ክትገብረሉ ዝጸንሐት፡ ብዘይ መሃዝነት ዝቐርብ መበቆላዊ ያታታትን ወግዕታትን ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ከኣ ኣዝዩ መሳጥን ሕብራውን እዩ። እዚ ያታታት እዚ ሎሚ ዳርጋ ፈጺሙ ሃሲሱ፡ ወይ’ውን ተሪፉ ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ወሪዱ ብምህላዉ፡ ኣብ ምዕቃብን ምውርራስን ባህሊ ዘለዎ ኣበርክቶ ዕዙዝ እዩ።
መጀመርያ ምርኢት ዘቕረበት ዓዲ ወስበንስሬዂ ኮይና ምልጻይ ጸጒሪ ህጻናት ካብ ዕሸል ወዲ ሓደ ዓመት ክሳብ ዕድመ ግርዝውናን ኩትትናን ዝገልጽ እዩ። ህጻን ወዲ ሓደ ዓመት ምስ በጽሐ ካብ ምንፍሓዅ ናብ ታተ ምባል ኣብ ዝሰጋገረሉ መድረኽ ፍሉይ ጽንብል’ዩ ዝግበረሉ። ኣብ ባህሊ ብሊን ብወግዒ ዝጽንበል ዕለተ ልደት’ውን ኣብዚ ዕድመ’ዚ ጥራይ እዩ። እቲ ህጻን ኣብ ማዕጥቖኡ ንእሽቶ ቃጭል ዘለዎ ብዛዕጎል ዝተሰለመ ቁልፊ ኣለዎ። እዚ ቁልፊ’ዚ “ጀዊራ” ይበሃል። ኣብ ጽንብል ዕለተ ልደቱ፡ እቲ ህጻን ኣብ ደረቕ ድዅዒ ጥሪት ኮፍ ይብልን ይረግጽን፡ ኣደታት ከኣ ደጋጊመን ዕልልታ እናደርጎሓ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ቆሎ ዕምባባ ይንስንሳሉ፡ ኣብ ሕቖኡ ቅጫ ይቝረስ፡ ኣደታት ቡነን እናሰተያ ህጻናት ከኣ ከቢቦመን ምስአን ይጽንብሉ። ምልጻይ ናይ’ቲ ህጻን ክሳብ ወዲ ሓደ ዓመት ዝኸውን፡ ብማእከል ርእሱ ካብ ጫፍ ግንባሩ ክሳብ ዳሕረዋይ ወተጉ ኣብ ማእከል ቅርጺ ማዕጺድ ወይ ሰርቂ-ወርሒ እትመስል መስመር ብምግዳፍ ብምሉኡ እቲ ካልእ ክፋል ርእሲ ይላጸ። እዚ ምልጻይ’ዚ “ሕሮርያ” ይበሃል።
ድሕሪ 1ይ ክሳብ 8ይ ዓመቱ ዝበጽሕ ከኣ ወዲ ይኹን ጓል “ግሰት” ዝበሃል ኣብ ማእከል ርእሲ (መንበስበስታ) ዕብይ ዝበለት ጭንግዓት ብምግዳፍ ብምሉኡ እቲ ካልእ ክፋል ርእሲ ይላጸ። ጓል እንተኾይና ግን ኣብ ርእስ’ቲ ጭንግዓት ኣብ ዳሕራይ ወተግ ንእሽቶ ዘይተላጸየ “ሽማመት” ዝበሃል ጸጒሪ ይገድፉላ። ኣብ ዕድመ ግርዝውናን ኵትትናን ምስ በጽሑ ከኣ ምሉእ ርእሲ ይላጸ “ጉልሓይ” ይኸውን። ብድሕሪ’ዚ ወዲ በብእዋኑ እናተቐምቀመ ዓሊባበኡን ኣፍሮኡን ኪከናኸን ከሎ፡ ጓል ከኣ ጽጒራ እናዓበየ ብምኻድ ኣብ እዋን መርዓኣ ድሕሪ ሕጽኖታ ኣብ ናይ ቊኖ ደረጃ በጺሑ ይጸንሕ።
እዚ ባህላዊ ወግዕታት’ዚ ባህላዊ ክዳን ብዝተኸድኑ ኣቦታት ኣደታትን ህጻናትን ብግብሪ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ተራእዩ።
ድሕሪ ወስበንስሬዂ ዝሰዓበት ዓዲ ቊንዕ ኮይና ወግዒ “ሽንጋለ” እያ ኣርእያ። ሽንጋለ ዝበሃል ወግዒ ምስግጋር ብጽሕና ኮይኑ ሓደ መንእሰይ ዓቕመ-ኣዳም ምስ በጽሐ ቅድሚ ሕጸ ዝትግበር ንተጻዋርነትን ብቕዓትን ናይቲ መንእሰይ ዝፈታተን በዳሂ ወግዒ እዩ። በዚ ወግዒ’ዚ ዘይሓለፈ መንእሰይ ከኣ እኹል ሰብኣይ ተባሂሉ ኣብ ባይቶ ዓዲ ክሳተፍ ኣብ ወግዕን ደረጃን ሽማገለታት ክጽንበር ኣይክእልን።
ወግዒ ሽንጋለ ዝገብር መንእሰይ ኣቐዲሙ እቶም ቀንዲ ኣዕሩኽቱ ተሓቢሮም ቆጸራ ይተሓዝ። እቶም ዘሰንይዎ ኣዕሩኽቱ ንሽንጋለ ከበግስዎ ከለዉ፡ ኣቐዲሙ (ማጓ) ጉልሓይ ተላጽዩ እዩ ዝጸንሕ። መበገሲ መስርሕ ናይ ምውታግን ምምራቕን ብኣኮታቱ ምስ ተገብረ፡ ሳእኑ የውጽኡሉ፡ ነጸላ ተወንዚፉ’ውን ኣእዳዉ ኣብ ውሽጢ ደረቱ ይዅርመ። በትሪ ይኹን ዝኾነ ነገር ክሕዝ ኣይፍቀደሉን። ብዓዲ ኣኮታቱ ዝጅምር መስርሕ ምውታግን ምምራቕን፡ ምብላዕ ገዓት፡ ኣብ ኩለን ቀንዲ ቤተሰቡ ኣኮታቱ፡ ኣሞታቱን ሓትኖታቱን ዝርከቡሉ ዓድታት እናተዛወሩ ይቕጽሉ። እቲ ዝኸድዎ ዓድታት ከከም ርሕቀቱ ገሊኡ ናይ ሰዓታት ገሊኡ ከኣ ናይ ለይትን መዓልትን ጉዕዞ እግሪ ዝሓትት እዩ። መኪና ይኹን ዝኾነ መጽዓኛ ኣይፍቀድን። ኣብዚ ሰሙን ወይ ሰሙናት ዝወስድ መስርሕ፡ እቶም ኣዕሩኽቱ ከም ምሩኽ ሒዞሞ እናተዘናግዑ ክኸዱ ከለዉ፡ እቲ ዝሽንግል መንእሰይ ግን ኣዝዩ ሓያል ተጻዋርነት ዝሓትት በዳሂ ፈታኒ ቅንያት እዩ ዘሕልፍ። እቲ መንገዲ ኩርኳሕ ይኹን እሾኽ ይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ዋላ’ውን ሓድሓደ እዋን ኮነ ኢሎም ኣብ ሓጹር ስለዝደፍእዎ ፈታኒ ግድል እዩ።
ድሕሪ ቁንዕ መደብ ዘቕረበት ዓዲ ደሮቚ ከኣ፡ ወግዒ “ምርጣጠ” እያ ኣቕሪባ። ዝኾነ ኣብ ግዜ ሽንጋለ ርእሱ ዝተላጸየ መንእሰይ፡ ሓደ ዓመት ምሉእ ጸጒሪ ርእሱ እናተኸናኸነ ብምጽናሕ ኣብ እዋን ምርጣጠ ይበጽሕ። ምርጣጠ ኣብ ምዝዛም ክራማት ኣብ ቅንያት መጀመርያ ወርሒ መስከረም ዝካየድ ኮይኑ ጸባን ጠስምን ብብዝሒ ኣብ ዝርከበሉ ወቕቲ፡ ኣብ ሓደ ዕሙር ጣሻ፡ ሩባ፡ ወይ ስንጭሮ መሪጽካ እዩ ዝግበር። ኣብ ዕለት’ቲ ምርጣጠ ኩሎም ጓሶት ሓሓሊቦም ጻልጣ ጸባ ኣብ ቦታ ናይ’ቲ ምርጣጠ የምጽኡ። እቶም ኣብ ሽንጋለ ዘሰነይዎ ኣዕሩኽቱን ካልኦትን ብሓባር ኣብ ዝጽንብልዎ ምርጣጠ ከኣ፡ በብወግዕታቱ ብርኩታታት ይብርኮት’ሞ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ጽንብል ከብዲ ምላሽ ይበልዑን ይሰትዩን። እቲ ዝምርጠጥ ዘሎ መንእሰይ (መንደላይ) ከኣ፡ እቲ ላዕለዋይ ኣፍሮ ገዲፍካ ናይ ጎድኒ ርእሲ ጸጒሩ ይቚነን። እዚ ቊኖ’ዚ“ላንኪት” ይበሃል። ኣብ ክሊ ዕድመን መስርሕን ሽንጋለን ምርጣጠን ዝርከብ መንእሰይ ከኣ “መንደላይ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ናይ መጨረሻ ምርኢት ዘቕረበት ዓዲ ከኣ ሓሊብመንተል (ሓቢንመንተል) ኮይና “ወግዒ ምፍላይ ሓዳር”፡ መርዓውን መርዓትን ናይ ሕጽኖትን ምሕንቃቕን እዋኖም ወዲኦም ሓዳሮም ዝፈልዩሉ መድረኽን ኣገባብን ዘርኢ መደብ ኣቕሪባ። ኣብዚ ብመሳጢ ድራማዊ ኣገባብ ዝቐረበ ምርኢት ብሓደ መዳይ ኣብ መንጎ ናይ ቀደም መርዓትን ሓማትን ዝነበረ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ምትሕልላይን ክብርን ዘንጸባርቕ፡ ብካልእ ወገን ከኣ ኣብዚ ዘመናዊ መድረኽ ንዘጋጥም ዘሎ ምዝንጣልን ዘይምክብባርን ዘነጻጽር ትሕዝቶ ቀሪቡ።
ብሓፈሽኡ እቲ ዝቐረበ ወግዕታት ከም መዘኻኸሪ ኣርእስታቱን ላህመታዊ ሓበሬታን ንምሃብ ደኣ’ምበር ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሓሊብመንተል ኣብ ምምዕባልን ምዕቃብን ባህሊ ብሊን ተጠቃሲ ሕላገት ዘለዋ ዓዲ እያ። ብፍላይ ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሮም በብእዋኑ ዝተጠራነፉን ዝቖሙን ጉጅለታት ባህሊ ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ይኹን ብደረጃ ዞባ፡ ከምኡ’ውን ብደረጃ’ቲ ብሄር ዓቢ ዝና ዘለዎም ያታውያንን ዘመናውያንን ድምጻውያን ዘፍረየ ከባቢ እዩ። ካብ ህቡባት ድምጻውያን ብሊን ሳራ ተኽለሰንበትን ይርጋኣለም ተኽለሰንበትን፡ ሃብታት ዘርእዝጊ፡ ዮናስ መንግስቱ … ደቂ’ዚ ከባቢ እዮም። #Eritrea
ፈለግ ሰውራ retweeted
Haddas Ertra 06 November 2026
shabait.com/2026/11/06/hadda…
ፈለግ ሰውራ retweeted
Eritrea Alhaditha 06 November 2026
shabait.com/2026/11/06/eritr…
ፈለግ ሰውራ retweeted
Role of teachers in nurturing competent youth
The National Union of Eritrean Youth and Students branch in the Southern Red Sea Region conducted a meeting with school directors in the port city of Assab, focusing on the role of teachers in nurturing competent youth.
Noting that the union’s main objective is to enhance the capacity of the youth and strengthen their participation in national programs, Mr. Osman Abdulkadir, head of the union branch in the region, stressed the importance of coordinated efforts by government and PFDJ institutions to realize this objective.
Underlining that young people equipped with the necessary knowledge and skills are the cornerstone of national development, Mr. Osman called on school directors and teachers to fulfill their responsibilities in this regard.
Mr. Fesehaye Kidane, head of the education office in the region, emphasized the importance of enhancing political and health awareness among young people and called for earnest efforts to that end.
Ambassador Mohammed-Seid Mantai, Governor of the region, highlighted the significant role of teachers in developing the competence of the youth and called on all teachers to strengthen their participation.
ፈለግ ሰውራ retweeted
“ኣብ ርእሲ ቋንቋ ኣደኻ፡ ተወሳኺ ቋንቋ ምምላኽ፡ ክንዲ ብዙሓት ሰባት ዘቑጽረካ’ዩ” - ተመሃሮ ቋንቋ ዓረብ
ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ-ሃለቃ)
ቤት ትምህርቲ ዛግረ ቋንቋ ዓረብ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ፡ ኣብ 8 ክፍልታት መቓቒሉ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃማመተኤን ኣሃዱኦምን ከምህሮም ዝጸንሐ 366 ተመሃሮ፡ ብዓርቢ 30 ጥቅምቲ 2026 ኣመሪቑ። እዞም ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ ዝተመረቑ ተመሃሮ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን ዝመጽኡ’ኳ እንተዀኑ፡ ዝበዝሑ ናይ ሕጂ ተመረቕቲ 10ይ ዙርያ ግን ካብ ፖሊስ ኤርትራ፡ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ሓዝሓዝ፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ዝመጽኡ ኣባላት እዮም ነይሮም። እዞም ን4 ወርሒ ብጽዑቕ ልምምድን ንጥፈታትን ክመሃሩ ዝጸንሑ ተመረቕቲ፡ ኣብ ዕለተ መመረቕታኦም ተረኺብና ምስኦም ዘካ የድናዮ ዕላል ይስዕብ።
- ፈለማ እንቋዕ ኣሓጐሰኪ! እስከ ክንላለየኪ፧
ሓጐስ ይሃብካ። እልልታ ኣብርሃም እበሃል፡ ኣባል ሚ/ሪ ፍትሒ እየ።
- ሕራይ እልልታ፡ እዚ ን4 ወርሒ ክትቀስምዎ ዝጸናሕኩም ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ዛዚምኩም ትምረቑ ኣለኹም’ሞ፡ ነዚ ቋንቋ ብምምሃርኪ እንታይ ከሲበሉ ትብሊ፧
ካብ ብንእሽቶይ ጀሚረ ቋንቋ ዓረብ ካብ’ቲ ዝሃርፎን ዝፈትዎን ዝነበርኩ ቋንቋ እዩ። ከም’ዚ ክብለካ እንከለኹ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ዓረብ ፊልምታት ይዕዘብ ስለ ዝነበርኩ፡ ክጽሕፍ እየ ዘይክእል እምበር፡ እሰምዕን እዛረብን ነይረ እየ። ኣብ’ዚ ቋንቋ ቆርጠምጠም እብል ነይረ እየ። እዚ ጽልዋ እዚ ድማ፡ ነዚ ሕጂ ዕድል ረኺበዮ ዘለኹ መሰረት ዝገበረ እዩ። ኣብ’ዚ ቤት ትምህርቲ ነዚ ቋንቋ ምምሃረይ ከኣ፡ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ። ምኽንያቱ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ከባቢና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ኤርትራ ካብቶም ብብዝሒ ዝዝረብ ቋንቋ እዩ። ነዚ ቋንቋ ኩሉ መንእሰይ ክኽእሎን ክመልኮን ኣለዎ በሃሊት እየ።
- እስከ ናባኻ ክንሰግር፡ እዚ ትምህርቲ ስለምንታይ እዩ ዝወሃብ፧ ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምህላውና ዘለዎ ኣገዳስነትከ እንታይ እዩ፧
ፈለማ ህያብኤል ንጉሰ እበሃል። ተመሃራይ ቤት ትምህርቲ 2ይ ደረጃ እምባሃራ እየ። ኣብ ዓድና ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብ ዝዀኑ ሕብረተ-ሰብ ኣለዉና። ብቐንዱ ድማ፡ ኣብ ጐረባብትና ዘለዋ ሃገራት እንተ ደኣ ርኢኻየን፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብ እየን። ነዚ ቋንቋ’ዚ ምምሃርና ከኣ፡ ምስ እዞም ኣህዛብ ብቐሊሉ ንኽንረዳዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ብሓፈሻ ቋንቋ ምፍላጥ ካብ ሓደ ሰብ ሓሊፉ ብዙሕ ሰብ ከም ትኸውን ዝገብር እዩ። ኣነ ከኣ ነዚ ቋንቋ’ዚ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ምኽሳበይ ከኣ ዕድለኛ እየ ክብል እደፍር።
- ሕራይ፡ ንስኺ ድማ ስምኪ እሞ ኣላልይና፡ እዚ ትምህርቲ ኣብ ዝወሰድኩምሉ ግዜ፡ ከመይ ረኺብክዮ፧ ከምኡ’ውን ኣብ ስራሕኩም እንታይ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ትብሊ፧
ሰናይት ወልደኣብ እየ ዝበሃል። ኣብ ኤሪቴል እሰርሕ። ፈለማ ናይ’ዚ ትምህርቲ ተኻፋሊት ብምዃነይ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ። ብሓፈሻ እዚ ን4 ወርሒ ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ ቋንቋ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ነይሩ። ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ከም’ቲ ብግዳም ኴንካ ትዕዘቦ ኣይኰነን። ምስ ኣተኻዮ እቲ ኣዝዩ መሳጥን ሰሓቢን ዝዀነ ትምህርቲ እዩ። ተገዳስነት መምህራን ተሓዊስዎ ዳርጋ ኩላትና ተመሃሮ ክንጽሕፍን ክንዛረብን በቒዕና ኣለና። ዕላማ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ድማ እዚ እዩ መስለኒ። ኣብ ስራሕ እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ብዙሕ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ። ምስ ብዙሓት ተዛረብቲ ናይ’ዚ ቋንቋ ዘራኽብ ድልድል እዩ። ምስ ዝተፈላለዩ ህዝቢ ንኽትረዳዳእን ክትዋሳእን ዝገብር ምስ ምዃኑ ድማ፡ ብሉጽነት ናይቲ ቋንቋ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኰነን። ስራሕካ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ንኽትዓምም ዘኽእል እዩ። ምስ ዝተፈላለዩ ተገልገልቲ ተዛረብቲ ናይ’ዚ ቋንቋ ዲፕሎማሲ ንኽትፈጥር’ውን፡ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።
- እልልታ ኣብ’ዚ ተላዒሉ ዘሎ ዛዕባ ትውስኽዮ ሓሳብ እንተለኪ ዕድል ክህበኪ፧
ብዛዕባ ኣገዳስነት እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ንሕና ከም ሃገር ኣብ ከም ብዓል የመን፡ ግብጺ፡ ሶማል፡ ጅቡቲ፡ ስዑድያ.... ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዙርያአን ስለ እንርከብ፡ ብቐረባ ዝብጸሓና ቋንቋ እዩ ክንብሎ ንኽእል። ሓደ ካብ እቶም ትሸዓተ ቋንቋታት ኤርትራ እውን እዩ። ንሕና ከም ሚ/ሪ ፍትሒ ከኣ፡ ቋንቋ ዓረብ፡ ዓለም ለኻዊ ቋንቋ ብምዃኑ፡ ኣብ ስራሕና ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ዝዀነ ትካል ናይ መንግስቲ ዓቢ ቦታን ኣገዳስነትን እዩ ዘለዎ። ብፍላይ ምስ ናይ ወጻእተኛታት ተገልገልቲ ዜጋታት ብዘይ ጸገም ንኽትረዳዳእ ዝሕግዝ እዩ። “ንዑ ተርጉሙለይ” ዘብል የብልካን። ብሓፈሻ ንዝዀነ ናይ ወጻኢ ዜጋ በቲ ንሱ ዝርደኦ ቋንቋ ክትዛረቦን ኣገልግሎት ክትህቦን እንከለኻ፡ ዘለዎ ተራን ዝህቦ ባህታን ገዚፍ እዩ። ኣብ ሃገርና እንተዀነ’ውን፡ ተዛራቢ ቋንቋ ዓረብ ዝዀነ ህዝቢ ስለ ዘለና፡ ምስኡ ክትበሃሃል ኣይትሽገርን ማለት እዩ። ስለ’ዚ ኣብ መወዳእታ፡ ንኹሉ ደላዪ ናይ’ዚ ትምህርቲ’ዚ ብሰፊሕ ኣገባብ ክወሃብን ክቕጽልን ዘለዎ’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። ብዘይካ እቲ እትውንኖ ቋንቋ ናይ ኣደኻ፡ ተወሳኺ ቋንቋ ምምላኽ፡ ክንዲ ብዙሓት ሰባት ስለ ዘቑጽረካ።
- ሕራይ ንስኻ’ኸ መጀመርታ ስምካን ትካልካን ክንላለየካ፧ ኣብ ክፍሊ ኣብ ትገብርዎ ዝነበርኩም ሓድሕድ ልምምድን ዕዮታትን ከመይ ትዝክሮ፧
ኣክረም ዓብደልዋሃብ እበሃል። ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኤርትራ እየ። ብኣጠቓላሊ ተጠቀምቲ ናይ’ዚ ዕድል ትምህርቲ ምዃንና ዕድለኛታት ኢና ክንብል ንኽእል። ጽቡቕ ተሳታፍነትን ንጥፈታትን ናይ ተመሃሮ ድማ ነይሩዎ። መምህራንና’ውን ኣዝዮም ጻዕረኛታትን ግዱሳትን እዮም። ንዓና ከረድኡ ዘይገብርዎ ኣይነበሩን። ብዙሕ ደኺሞም እዮም። ዘርእዩዎ ዝነበሩ ተወፋይነት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ። ከም መምህራንና ዘይኰኑ፡ ኣዕሩኽትና እዮም ምባል ይቐልል። ስለ ዝዀነ ምስኦም ዘለና ርክብን ዝምድናን ነቲ ትምህርቲ ዝያዳ ብዘይ ጸቕጢ ንኽንስዕቦን ክንርደኦን ሓጊዙና እዩ። እቶም ተመሃሮ’ውን ኣብ ሓድሕድና ዝነበረ መንፈስ ኣብቲ እንገብሮ ዝነበርና ልምምድ ክንደጋገፍ ኣኽኢሉና እዩ። እዚ ከኣ እቲ ብሓባር ኴንካ ምምሃር ዘለዎ ረብሓታት ኣርእዩና እዩ። ብዓቢኡ ግን፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ምውሳድና፡ ንሕና ከም መንእሰያት ርእሰ ምትእምማን ከተጥሪ ደራኺ ነይሩ ክብለካ እኽእል። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ መምህራንና ነዚ ሕጂ በቒዕናዮ ዘለና ንኽንከውን ስለ ዝገበሩ ነመስግኖም። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ንሓድሕድና ንገብሮ ዝነበርና ልምምድ ብዘይ ምትሕፍፋር ከም ንዋጽኦ ስለ ዝገበሩ። ብሓፈሻ ግን፡ ነዚ ቋንቋ’ዚ ምቕሳምና፡ ምስ ምዕባለን ሕንባበን ቴክኖሎጂ ክንከይድ ኣኽኢሉና እዩ።
- ሕራይ ሲራክ ሰመረኣብ ካብ ኣሃዱ ሜካ 74፡ እዚ ቋንቋ ምምሃርን ፍልጠት ምድላብን ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ዘለዎ ረብሓታት እንታይ እዩ ትብል፧
ንሕና ነዚ ቋንቋ እዚ ምምሃርና ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት እዩ። ምኽንያቱ ቋንቋ ዓረብ ኣብ’ዚ ዘመናዊ ዓለም ብሓፈሻ ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ድማ ብፍላይ ግዴታ ክትመሃሮን ክትፈልጦን ኣለካ። ከም ህዝብን ሃገርን ኰይንካ ክርእዮ እንከለኻ ድማ፡ ዓበይቲ መኽሰባት እዩ ዘለዎ። ጸጥታን ሰላምን ውሽጥኻን ከባቢኻን ኣብ ምሕላው፡ ምስ ካልኦት ዜጋታት ኣብ ዝግበር ናይ ስራሕ ርክብን ምርድዳእን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ታሪኽን ባህልን፡ ድሕረባይታን ምዕባለን ካልኦት ሃገራትን ኣህዛብን ንኽትፈልጥ እውን፡ ልዑል ኣስተዋጽኦ እዩ ዘለዎ። ኣብዚ እዋን ምፍላጥ ቋንቋ ዓረብ፡ ኣብ ዕብየትን ምዕባለን፡ ጸጥታን ምክልኻልን ሃገር ወሳኒ እዩ። ንሕና ድማ ከም ሰልጠንቲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ትካል መንግስቲ ነዚ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምርካብና ሕጉሳትን ዕድለኛታትን ኢና።
- ሲራክ፡ ቅድሚ ምዝዛምና ትውስኾ እንተለካ፧
ቋንቋ ዓረብ ዓለምለኻዊ ቋንቋ ምስ ምዃኑ፡ ኣስተዋጽኦኡ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ንሕና ኩላትና ተመሃሮ ብሓባር ንሰርሕ ብምዃንና ከይተሰከፍናን ከይተሓፋፈርናን ኢና ነቲ ትምህርቲ ተኸታቲልናዮ፡ ሓሳባትና ንለዋወጥን ንደጋጋፍን ድማ ነይርና። እዚ ነቲ ቋንቋ ክንመልኮን ኣንፈት ክንሕዝን ሓጊዙና እዩ። “ክፈልጦን ክሕዞን ኣለኒ” ኢልካ ብወኒ እንተ ደኣ ተበጊስካ፡ ቀልጢፍካ ንኽሕትሕዞ ኣይትሽገርን ኢኻ። ቅልል ዝበለ መጽሓፍቲ ናይ ቋንቋ ዓረብ ብምንባብን ጋዜጣታት ብምክትታልን ቪድዮታት ናይ ቋንቋ ዓረብ ብምርኣይን ብዘይ ስክፍታ ብምዝራብን፡ ነብስና ከም ነዕቢ ካብዚ ትምህርቲ ተመኲርና ኣለና። ስለዚ ጽቡቕ ዝዀነ ኣንፈት ጎደና ናይዚ ቋንቋ ሒዝና ኣለና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኩሉ’ቲ ኣብዚ ዕለተ መመረቕታና ንዕዱማት ኣጋይሽ ዘቕረብናዮ ምርኢታት ማለት ድራማታት፡ ግጥምታት፡ ዝርርብ፡ መደረ፡ መዛሙር ... ንመኸተን ጅግንነትን፡ ቅያን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ። ቴማ ናይዚ መመረቕታ ብዓቢኡ ንመኸተ ሃገርና ዘማእከለ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንዝተገብረልና ቃለ-መሕተት ኣዚና ነመስግን።
ፈለግ ሰውራ retweeted
ዛንታ ናይዛ ስእሊ
ኣብ ዝሓለፈ 2ይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ፡ ጽገን ጸጋን ብጸላኢ ድሕሪ ምምራኸን፡ ፈለማ ኣብ ቃኘው ከም ዝተዳጎና፡ ቀጺለን ናብ ማርያም ግምቢ ብምስግጋር ከቢድ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ሃስያ ዘውረደለን ብግፍዒታት ዝተሰነየ መርመራ ከም እተኻየደለን፣ ብድሕሪ’ዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሓዝሓዝ ከም ዝተሰጋገራ፣ ሓደ እዋን ጽገ ኣለም ብሓለውቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ተሰንያ ኣብ ሕክምና (ሆስፒታል) እንከላ፡ ሓንቲ ፍርዳ ወዲኣ ዝወጸት እትፈልጣ ሰብ ሰላም ከም እትብላ ተመሲላ ሓንቲ ብፕላስቲክ ዝተጠቕለለት ወረቐት ከም ዘጨበጠታ፣ እንተኾነ ከተጨብጣ እንከላ ኣብ ዓይኒ ተኸታተልታ ዝኣተወት ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ፍቓድ ሓቲታ ትሸይን ኣምሲላ ናብ ዓይኒ ምድሪ ብምእታው ነታ ዝተጠቕለለት ወረቐት ከም ዝወሓጠታ፣ ድሕሪ ሳልስቲ ምስ ቀልቀላ ምስ ወጽአት ድማ ኣንቂጻ ከም ዝነበበታ፣ ኣብ 1987 ከኣ ስድራአን ብላዕ ሂቦም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ከም ዘውጽኡወን፣ ብድሕሪ’ዚ ጸጋ ዘርኢማርያም ናብ ኣመሪካ ከተምርሕ እንከላ፡ ጽገ ኣለም ድማ ዓመት ጸኒሓ ዳግማይ ናብ ሜዳ ብምምላስ ገድላዊ ጉዕዞኦ ከም ዝቐጸለቶ ነቢብና ኔርና። ንሕጂ ድማ ሳልሳይን መወዳእታን ክፋሉ ይስዕብ - ሰናይ ንባብ፦
ትሪኒዳድ፡ ሓጻር በራኽ ዋዕሮ
ተጋደልቲ ዘየውጽእዎ ሳጓን ጤል ዘይትጠጥሞን ስለ ዘየለ፡ ብዙሓት እታ ንሸማይነሽ ዝለገበታ ‘ትሪንዳድ’ እትብል ሳጓ ምስ ቁመታ ከተሓሕዝዋ ይፍትኑ’ዮም። ገለ’ውን ስሒቖማስ ‘ክሪኒዳድ’ ኢሎም መዋእል ዝጸውዑዋ ኣይተሳእኑን። መበገሲ ናይ’ዛ ሳጓ ዝኾነ ተጋዳላይ ዳያን ግን፡ ሸማይነሽ ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከበሳ ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ኣብ ትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ክሳብ 6 ናብ ዝኾና ዓድታት ብእግራ ከይዳ ኣብ ነፍሲ ወከፈን ድማ ሰሚናር ኣካይዳ ክትምለስ ምስ ረኣየ ዘልገበላ መጸውዒት’ያ። ንሱ፡ ሸማይነሽ ከምታ ‘ትሪኒዳድ’ ዝስማ መርከብ ናይ’ቲ ፈለማ ንዓለምና ዝኾለላ ፈርዲናን ማጅላን ምዃና ንምግላጽ ዝተጠቕመላ ቅጽል’ያ ነይራ።
ትሪኒዳድ’ውን ኣብቲ ፈለማስ ነታ ሳጓ ከም ሰባ’ያ ተረዲኣታ። ኣብ 25 ነሓስ 2019 ኣብ ዝተሓትመት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስ ኣማረሸ ጸጋይ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ክርዳድ” ዝበላ መሲሉዋ ክረዳድኡ ከም ዝጸውዓቶ ትገልጽ። ንሳ፡ “ስምዓኒ ኣነ ሓጺረ ነዊሐ፡ ውድባዊ ዕማመይ ዝፍጽም ዘለኹ ሰብ’የ። ስለምንታይ ክርዳድ ትብለኒ፧” በለቶ። ዳያን ከኣ እቲ ዝበላ ‘ትሪኒዳድ’ ምዃኑን ትርጉሙ ገሊጹን ኣዕገባ።
‘ትሪኒዳድ’ ካብ ዝወጸትላ ዕለት ኣትሒዛ፡ ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ክፋል ከበሳ ማዕረ ስፍሓት ስራሕ ትሪንዳድን ብጾታን እናሰፍሐት’ያ ከይዳ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጸላኢ ዝነበረ ከባቢታትን ኣብ ቅድሚ መስመርን ክትፍለጥ’ውን ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ክሊ ትሪኒዳድ ብዙሓት ሰባት በብወገኖም ዝዝክርዎም ብሂላት ወጹ፡ ክሳብ ደርፊ’ውን ተደርፈ።
“ጸላኢ ዓሻ’ዩ፡” ኢሉ ነይሩ ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)። እወ፡ ዓሻ ጸላኢ እቲ ትሪኒዳድ ዝብል ስም ውጽኢት ህ.ግ. ምዃኑ፡ ህ.ግ. እውን ውጽኢት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ረሲዑ፡ ውልቀ ሰባት ብምጥቃዕ ዓወት ዝጎናጸፍ ይመስሎ ነይሩ’ዩ። ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ትሪኒዳድን ብጾታን ጸላዊ ስራሕ እናሰርሑ ብዝኸዱ፡ ገለን ኣእጋራ ክሰብሩ ገለን ድማ ብኳሌትኣ ወጢጦም ከምጽኡ ዝተላእኩን፡ ግዳይ ምዑታት ተጋደልቲ ህ.ግ. ዝኾኑን ከድዓትን ወተሃደራት ደርግን’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን።
ኣብ ስርሒታት ከተማ
ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ብ ‘ክፍሊ መስዋእቲ’ ዝፍለጡ ፈዳኢን ህ.ግ.፡ ኣስመራ መውዓሊኦምን መሕደሪኦምን ነበረት። ኣዝማሪና ሸማይነሽ ድማ ካብ 1973 ኣትሒዛ ኣብ ሓንቲ ኣብ ጽላል ናይ’ዚ ክፍሊ’ዚ ምስ ዝሰርሓ ናይ ከተማ ዋህዮታት ተወደበት። ኣብረሀት በይን፡ ኣስመረት በይን (ክልቲአን ኣሓት’የን)፡ ኢትዮጵያን (ስማ ገድሊ ናብ ኤርትራ ዝቐየሮ) ካልኦትን ኣብ ዝኣባላታ ዋህዮ ኮይና ድማ ብተኣምራተኛታት ቫይናክን ብጾቱን እናተኣልየት ምስ ጸላኢ ኣብ ጭርጭር ከተማ ኣተወት።
ኣብ እንዳ ጾሚነቲ፡ ገዛ ከኒሻ ዝነበረት ስድራ እንዳቦይ በይን ሓንቲ ካብተን ኩሉንትናአን ዝሃባ ኤርትራውያን ስድራቤታት ነበረት። ገዛ እንዳቦይ በይን ንኣብርሀት በይንን ኣስመረት በይንን ኣብ ናይ ከተማ ዋህዮ ኣሰሊፋ ከይኣክል፡ ካብ ቀንዲ መዋፈሪት ኣባላት ክፍሊ መስዋእቲ’ውን ነበረት። ኣብረሀት በይን ሓንሳብ ለማኒት ሓንሳብ’ውን ካልእ እናመሰለት ትስሊ፡ ከምኡ’ውን ብረት ኮነ ቦምባ ናብ ዝምልከቶም ኣባላት ክፍሊ መስዋእቲ ብምትሕልላፍ ትብዓታ ዘመስከረት ኣባል’ታ ዋህዮ ነበረት።
ኣብ25 ነሓስ 2019 ኣብ ዝተሓትመት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስ ኣማረሸ ጸጋይ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፡ ንጉዕዞኣ ኣብ ገድሊ ዝምልከት ሰፊሕ ጽሑፍ ኣሎ። ኣብታ ሕታም፡ ትሪኒዳድ ንዝቐጸለ ብድሆታት ስራሕ ከተማ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጻቶ ኣላ።
“ሓደ እዋን፡ ኣምባሳደር ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ተጨውዩ ናብ ሜዱ ወሪዱ። ናቱ ንብረትን ካልእ ናብ ሜዳ ክለኣኽ ተታሒዙ ዝነበረ ቦምባ ቻይናን፡ ኣብ እንዳ ኣቦይ በይን ኵዒትና ንኽንቀብሮ፡ እሞ ድማ መብዛሕትኦም መሳርሕትና መንእሰያት ብምንባሮም፡ በቲ ንብረት ከይታለሉ ብዝብል - ንሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብ ኣባል ፈዳኢን ኵዒቱ ክቐብሮ ሓሪናዮ። ሰብኣይ ኣይጸንሐን፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሰሊሙ (ከዲዑ)። ኩሉ ምንቅስቓሳትና ብረቂቕ ዝፈልጥ ድማ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ንሱ ብዝሓሰዎ ማይ- ድምነት ተደምሲሳ፡ ንገዛ እንዳቦይ በይን ኣጥቂዖሞ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ንኣስመረት ሓትኖኣን ክልተ ኣሓታን፡ በታ ንጸገም ክትኮነና ኢልና ዝሰራሕናያ ኣስካላ ሃዲመን። ኣስመረት ኣብ ሓንቲ ጸልማት ክሽነ ምስተን ቦምባ ቻይና ተሓቢኣ። ንኹሉ እቲ ገዛ ፈቲሾም ዝውሰድ ወሲዶም ዝቕተል ቀቲሎም ንኣብረሀት ሒዞማ ከይዶም።
“ኣስመረት ካብቲ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ወጺኣ ክትሃድም፡ ሓደ ኤርትራዊ ኮማንድስ ረኺቡዋ። ኤርትራዊ ሓወይ ኢኻ፡ ካብ በዚኦም ዝቕተል ንስኻ ቅተለኒ፡ እንተ ክኢልካ ድማ ናብ ዝብጻሕ ኣብጽሓኒ ኢላቶ። እቲ ኮማንድስ፡ ጫማ ሂቡ ክዳን ከዲኑ ኣመሳሲሉ ኣህዲሙዋ። ኣስመረት ንገዛና መጺኣ ኩሉ እቲ ዘጋጠመ ነጊራትኒ። ተተሓሒዝና ድማ ናብ ባር ኣውቲስቲ ተሌፎን ናብ ብዓል ቫይናክ ክንድውል ከድና። ኣብኡ ሓደ ንጥርጥሮ ጃሱስ መጺኡና። ካብኡ ሃዲምና ኣብ ከባቢ ኣስካላ ሓንካሳት ምስ በጻሕና፡ ንደሱ ረኺብናዮ። ሓሳብና ምስ ነገርናዮ፡ ደሓን ቅሰና ኩሎም ፈሊጦም እዮም ኢሉና።”
ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት፡ ቫይናክ ምስ ዝርከቦም ኣባላት ኣብ መንበሪ ገዛ ደሱ ድሕሪ ምሕባእ ምስኦም ናብ ሜዳ ወረዳ። ሃጀምቲ እንዳቦይ በይን ዝውሰድ ይውሰዱ እምበር፡ እተን ትሽዓተ ቦምባ ቻይና ዋኒን ህ.ግ. ካብ ምዃን ኣየምለጣን። ኣባላት ክፍሊ መስዋእቲ ኮንታተረ ዘዐርዩ ሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤ ሌ ክትሪክ ተመሲሎም ወሰዱወን።
ሸማይነሽ መጺኣ ብደዳዕ ወይልኻ ከዳዕ
ኣብ1975 ኣብ ሕሽክብ ዝተኻየደ ታዕሊም፡ ንሸማይነሽ መቐጸልታ እምበር መጀመርታ ገድሊ ኣይነበረን። ዝቐሰመቶ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ኣብ ሜዳ’ውን ከም ምኩርቲ ክትብገስ ኣኽኣላ። ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ሳሕል ኣብ ክፍሊ ህዝቢ ድሕሪ ምስራሓ ድማ፡ ንተመሳሳሊ ስራሕ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ከበሳ ተመደበት። ምስ ብጾታ ካብ ዛግር እናተንቀሳቐሰት ምውዳብ ህዝቢ፡ ምምስራት ማሕበራት መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሓረስቶትን ወሰን ኢሎም ሓዝዎ። ስርሖም እናዓበየ እንግድዓ ውድብ ድማ እናተረረ ብዝኸደ፡ ስም ብዙሓት ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ይዓርግ ነበረ። ኣይከም ትሪንዳድን ግን።
ጸላኢ ዓሻ ይኹን እምበር ገለ ካብኡ ዝዕሽዉ ኤርትራውያን’ውን ነይሮም’ዮም። ንኸብዶምን ገለ ንዋይን ኢሎም ኣንጻር ህዝቦም ክቖሙን፡ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ ድማ ዜጋታት ዘከላብቱን ነይሮም’ዮም። ናይ ገለ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ኣብ ቅትለት መቕርቦምን መተዓብይቶምን ዝወዓሉ ነውራማት ኣስማት ምጥቃስ’ውን ከቢድ ኣይምኾነን። እቲ መወዳእታኡ ዓወት ዝተገዝመ ውድብን ህዝብን ዝእረም ኣሪሙ ስለ ዝሓለፎ ሕጂ ናብኡ ምምላስ ናብ ጭቃ ምውዳቕ’ዩ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ግን ህዝቢ ብጸቕጢ እምበር ብፍታዉ ኣይኮነን ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ ዝነበረ። ትሕት እንተበለ’ውን ኣንጻር ገፋዕቱስ ስኑ ደኣ ይሕርቅም ነበረ። ጽልዋ ሸማይነሽ እትመርሖምን እትርከቦምን ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ኪኖ ገጠራት ንኣስመራ’ውን ይደሃያ ነበረ። ምንቅስቓስ ሸዋይነሽን ብጾታን ነታ ደዳዕ ዝተባህለ ቦታ ዝርከባ ኳዜን ሓዊስካ ሰፊሕ ነበረ። ገለ በዚ ምንቅስቓስ’ዚ ዝተሓጎሳ ኣዴታት፡ “ሸማይነሽ መጺኣ ብደዳዕ፡ ወይልኻ ከዳዕ” ኢለን ደረፋ። እዚ ደርፊ’ዚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሕልፎት ከይተረፈ ይድገም ከም ዝነበረ ድማ ይዝንቶ።
ብዓዲ ኣልጋነሽ፡ ብባሕሪ ሸማይነሽ፡ ተዋረድና!
ህ.ግ. ንደርባዊ ኣተሓሳስባ ብገስጋሲ ፖሊሲ ንምትካእ ኣብ ድሕሪ መስመር ብሰፊሑ ይንቀሳቐስ ነበረ። ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ኣብ ምትግባር ናይ’ዚ ፖሊሲ መሪሕ ተራ ነበሮም። ምድያስ ብመሳፍንቲ ተገቢቱ ዝነበረ መሬት፡ ምዕሩይ ምምቕራሕ መሬትን ጸጋን ዓዲ፡ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተኻፋልነት ጸጋታትን ማሕበራዊ ጽፍሕታትን፡ ምምሕያሽ ስርዓተ ፍትሕን ካልኦትን ይካይዱ ነበሩ። እዚ መሰልን ልብን ዝበዝሐ ሓፋሽ ክረክብ እንከሎ፡ ገለ ረብሓኦምን ባህላዊ ንያቶምን ዝትንከፉ ግን ነይሮም’ዮም። ብቐንዱ ከኣ እቲ ከም ወላዲ ዝነጥፍ ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ምዕንቃጽ ገስገስቲ ሓሳባት ንዝነጥፉ ይገንሕን ይእርምን ስለ ዝነበረ፡ ለውጢ ዝመረሮ’ውን ኣይተሳእነን። ሸማይነሽ ኮነት ብጾታ ትርግታ ልቢ ሓፋሽ ይንበሩ እምበር፡ መዕለብ መረረ ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ወገናት ኣይነበሩን’ውን ክበሃል ኣይከኣልን።
ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣልጋነሽ ተኸስተ ዝተባህለት ሃገራዊ ግቡኣ ትገብር ዝነበረት፡ ኣብ ግዜ ምዝላቕ’ውን ከም ኩለን ሓፋሽ ውዱባት ክትስለፍ ሓቲታ - ግን ብምኽንያት’ቲ ዝነበረ ኩነታት ሓንሳብ ክትጸንሕ ዝተሓበረት ግርምቲ ዜጋ፡ ሃንደበት ናብ ጸላኢ ኣተወት። ኣንጻር’ቲ ሰለስተ ኣሕዋታ ዝተጋደሉሉ ውድብ ጠጠው ብምባል ድማ ምስ ጸላኢ ክትሰርሕ ጀመረት። ናይ ስራሕ ወኒን ክእለትን ኣልጋነሽ ቀሊል ኣይነበረን። ዳርጋ ኩሉ’ቲ ብወገን ጀማሂር ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት ውዳበ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሓረስቶትን ድማ ብወገን ጸላኢ ኮይና ወሰን ኢላ ሓዘቶ። ኣንጻር ትእዛዛን መደባን ንዘዕጠጥዩ መሓሪት ኣይነበረትን።
ሓደ እዋን፡ “ዘይንፈልጥ ከይመስለኩም፣ ሽዋይነሽ ጭራም ወረቐት እንተ ሰዲዳ ዞኽዞኽ ኢኹም ትብሉ። ንሕና ዝበልናኩም ግን ኣይትተሓባበሩን - ደሓን!” ኢላ ኣምሪራ ክትዛረብ ዝሰምዐ ተባዕ ኣቦ፡ “ብዓዲ ኣልጋነሽ ብባሕሪ ሽዋይነሽ እኮ ተዋሪድና! እንታይ ግበሩ ኢኽን ትብላና እዘን ክልተ ኣዋልድ፡ ” በላ።
ኣብቲ ነዊሕ ርብርብ ግን፡ መስመር ሸማይነሽን ስለሰተ ጀጋኑ ስዉኣት ተጋደልቲ ኣሕዋት ኣልጋነሽን ተዓወተ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ሞት ፈንጢሳ ዝወጸት ትሪኒዳድ ናጽነት ኤርትራ ርእያ፣ መንግስቲ ተኺላ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ቀጺላ፣ ናብ ዲፕሎማሰኛ ሰጊራ ንሃገራ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ወኪላ፣ ሕጂ ድማ ብደረጃ ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ንጡፍ ስራሕ ትርከብ። ኤርትራ ንትሪንዳድ ሓዳራ፡ ደቃን ዓለማን’ያ።
ምስጋና ንምንጪታት ናይ’ዚ ጽሑፍ፦
- ወ/ሮ ሸማይነሽ ኪሮስ (ትሪኒዳድ)
- መጀር ጽገ ኣለም (ጭብ)
- ኣቶ ዓንደሚካኤል ሰለሙን
- ወ/ሮ ኣማረሽ ጸጋይ
- ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
- ኣቶ ታእዛዝ ኣብርሃ (ዕንድኩር)
- ኣቶ ሄኖክ ሓሺም
መዘኻኸሪ፦ እዚ ጽሒፍ’ዚ ኣብ 2020 ብሳምሶም ብርሃነ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ እዩ።
ፈለግ ሰውራ retweeted
Haddas Ertra 07 November 2026
shabait.com/2026/11/07/hadda…
ፈለግ ሰውራ retweeted
Eritrea Alhaditha 07 November 2026
shabait.com/2026/11/07/eritr…
ፈለግ ሰውራ retweeted
Development Rooted in Independence, Self-Reliance, Social Justice, and Collective Responsibility
Bana Negusse
For decades, Eritrea has been the subject of persistent misunderstanding and misrepresentation. While some of this stems from genuine misconceptions and a limited understanding of the country’s historical and political context, other narratives have been shaped by deliberate efforts to undermine Eritrea’s image within broader geopolitical and politicized campaigns. Over this time period, among the most misunderstood aspects of Eritrea’s national experience has been its vision of development – a distinct approach rooted in the country’s history, sovereignty, and aspirations for self-reliance. Understanding this vision requires moving beyond prevailing narratives to examine the principles, priorities, and long-term objectives that guide the country’s development trajectory.
To begin, Eritrea’s development vision has deep roots in the country’s modern history. A useful place to start is the decades-long armed liberation struggle. While the immediate objective was national independence, the struggle was also waged in pursuit of social justice, gender equality, poverty eradication, human rights, and shared prosperity. These aspirations did not emerge in response to external agendas; they were integral to the nation’s identity and struggle from the outset.
The country’s development vision and approach also has been clearly articulated in official documents and declarations. A central example is the National Charter, adopted in February 1994 in the historic town of Nakfa, which continues to serve as a guiding vision for the country. The Charter outlines Eritrea’s aspirations to build a prosperous, unified, and just nation in which all citizens, irrespective of background, can fulfill their potential in a peaceful, healthy, and sustainable environment.
Importantly, these aspirations have not remained abstract. Eritrea has consistently sought to translate them into tangible outcomes, particularly through its unwavering commitment to social justice and equity. The country has worked to ensure that historically vulnerable and marginalized groups have equal opportunities to thrive and participate in national development. This commitment is reflected in the provision of free healthcare and education at all levels, alongside a range of social protection measures designed to safeguard disadvantaged citizens and promote a more equitable society.
Notably, Eritrea has pursued these policies despite its status as a young, developing country – a reality that makes such universal commitments particularly ambitious. In doing so, it distinguishes itself not only from many developing countries where comparable services remain inaccessible to significant segments of the population, but also from wealthier, developed states that struggle to guarantee equitable access to essential services. This reflects a deliberate choice to place inclusivity, fairness, and human dignity at the center of national development, even amid considerable resource constraints.
One of the most frequently misunderstood aspects of Eritrea’s development model is its emphasis on self-reliance and its approach to foreign assistance. While some critics characterize this stance as “isolationist” or “autarkic,” such labels overlook its underlying rationale. To be certain, Eritrea does not reject international partnerships. Rather, it insists that they be genuine, equitable, and complementary to national priorities. External assistance is welcomed when it addresses specific, locally identified needs, helps bridge temporary resource gaps, and strengthens national institutions. It is resisted when it comes with onerous conditionalities or risks fostering structural dependency.
One practical illustration of this approach is Eritrea’s cooperation with the United Nations system. The UN Sustainable Development Cooperation Framework for 2022–2026 was jointly developed with the Eritrean government and aligned with national development priorities, including health, education, water and sanitation, food security, and institutional capacity-building. Eritrea has also engaged with regional and bilateral partners, as well as institutions such as the African Development Bank, on initiatives spanning renewable energy, infrastructure, agriculture, and skills development. These partnerships reflect a broader commitment to international cooperation that advances peace, strengthens institutional and productive capacities, and promotes sustainable development. They also underscore Eritrea’s conviction that effective partnerships must be grounded in mutual respect, shared interests, and alignment with locally defined priorities.
From Eritrea’s perspective, the foundation of development partnerships should also increasingly shift toward investment and trade, rather than debilitating and perpetual aid that becomes an indefinite fixture in recipient countries’ annual budgetary calculations. Eritrea’s strategic location, natural endowments, and comparative advantages – including its blue economy, tourism, and latent manufacturing potential – underscore the importance of anchoring its development strategy in robust investment and trade policies, within a broad framework of self-reliance.
Unfortunately, Eritrea’s approach has sometimes placed it at odds with development partners accustomed to exercising disproportionate influence over funding flows and development strategies. The country also regards the term “donors” as problematic, given the hierarchical relationship it can imply. Yet this stance should not be mistaken for withdrawal from the international community. Instead, it reflects a well-principled determination to safeguard sovereignty, preserve national agency, and ensure that Eritrean citizens remain the primary architects of their country’s development.
Today, as the international community increasingly scales back development assistance in many parts of the world, Eritrea’s approach appears not only principled but also prescient. Countries that have become heavily dependent on external aid face significant challenges as support diminishes, with potentially severe consequences for essential services and long-term development objectives. By contrast, Eritrea’s emphasis on building domestic capacity, minimizing reliance on external handouts, and prioritizing self-reliance, investment, and trade has helped reduce its vulnerability to such global shifts.
Rather than relying exclusively on external resources, Eritrea continues to pursue development through domestic capacities, institutional resilience, social solidarity, and the mobilization of investment. This approach underscores the potential durability of a development strategy grounded in national ownership and the strengthening of internal capabilities.
Crucially, complementing this emphasis on resilience is Eritrea’s strong tradition of solidarity, generosity, mutual support, and community. These values are reinforced by both tradition and faith, particularly Christianity and Islam. Christianity emphasizes charitable giving, while Islam enshrines Zakat, or almsgiving, as one of its five pillars. Across the country’s diverse ethnolinguistic communities, collective responsibility is likewise deeply valued.
From an early age, Eritreans are taught that although communities are composed of individuals, individual well-being and flourishing depend in significant measure on the strength of the collective. This principle is evident in rural villages and urban neighbourhoods, where people routinely come together to cultivate fields, plant crops, build homes, and undertake community projects. Several years ago, during the COVID-19 pandemic, this spirit of solidarity played an important role in mobilizing resources, sharing burdens, and helping communities navigate hardship.
Underlying these traditions is a profound sense of duty and mutual obligation. In many respects, this can be understood as a social contract within an all-stakeholder society. Supporting those in need is widely regarded not merely as an act of kindness but as a moral responsibility. Nowhere is this more evident than in the enduring support extended to war veterans, the families of martyrs, and the contributions of the Eritrean diaspora. The immense sacrifices made for independence and sovereignty have fostered a collective responsibility to honor those who gave their lives or livelihoods and to preserve their legacy through continued acts of generosity and solidarity.
Overall, Eritrea’s development story has too often been misunderstood, reduced to external frameworks, or mischaracterized through superficial labels. The reality is that the country’s policies and aspirations reflect a deep, historically grounded vision rooted in independence, self-reliance, social justice, and collective responsibility. Far from being isolationist or merely reactive, Eritrea’s approach represents an effort to pursue sustainable development on its own terms – one that is indigenous, resilient, and deeply connected to the lived experiences of its people. #Eritrea
ፈለግ ሰውራ retweeted
Patience has a limit‼️
Respecting #Eritrea's Sovereignty should be the priority for the neighbouring PP led Country #Ethiopia .
ልዑላውነት #ኤርትራ ቅድመ-ኵነት እዩ" #ኣስመራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ዘተ ከም ዘየለ ኣፍሊጣ!
መንግስቲ #ኢትዮጵያ ንልዑላውነት ኤርትራ ብዘየማትእ መንገዲ ክሳብ ዘይተቐበለን ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጉ ብግልጺ ክሳብ ዘይሓደገን፡ ኣስመራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዘተ ኰነ ርክብ ከም ዘይትሳተፍ ብዕቱብ ኣፍሊጣ። @AmbStesfamariam
ፈለግ ሰውራ retweeted
In the current international/diplomatic discourse regarding the imperative of adherence to, and respect of, foundational pillars of international law as well as the maintenance of regional peace and security, the following salient facts and sequence of events must be recognized, without any equivocation, as the kernel/principal causes behind the prevailing grave situation:
1. On 13 October 2023, the Potemkin Party willfully manufactured an unnecessary and avoidable crises between the two countries by formally and publicly declaring its hostile agenda of acquiring "sovereign access to the sea", apparently and ultimately through invasion and occupation of Eritrea's sovereign lands. This dangerous declaration constituted a flagrant violation of foundational pillars of international law as well as the Joint Declaration of Peace and Friendship signed between the two countries in Asmara on 9 July 2018.
2. This initial declaration was ramped up in subsequent years through relentless and incendiary media campaigns; associated saber-rattling, and massive rearmament. The scope of the PP's impending invasion was also broadened to include forcible incorporation of Eritrea's southern coastline (see attached map) for the establishment of "a sovereign naval force with strategic depth".
3. The war agenda was further ratcheted up and translated into an operational plan when the PP regime launched its military operations in the Tigray Administrative Region in mid-September this year. Indeed a couple of days after the eruption of the war, the PP's Deputy Chief of Staff announced that "Mekelle will be a mere stop-over... the main objective is to install our flag in the Red Sea".
4. And on 9 October last month, the PP regime went further to ominously "notify the UNSC" on the unleashing of its war of aggression against Eritrea under the spurious pretext of "self-defense".
The writing on the wall is thus crystal clear; eliciting, as it does, unequivocal condemnation as well as requisite deterrent measures in accordance with explicit provisions of the UN Charter and associated instruments.
ፈለግ ሰውራ retweeted
The grim spectacle (photos in the link below) of Potemkin Party's senior government officials undergoing, and even eulogizing, some misplaced military training and "militarism", provokes a host of perplexing questions on the PP's perspectives and modus operandi.
To be clear, the spiraling domestic conflicts that are besetting Ethiopia and the escalating tensions in the region stem from the Potemkin Party's willful and misguided policies.
They are indeed the offspring of the PP's wars of choice; so to speak.
The recent upheaval in Moyale that has ignited internecine conflict between the Somali and Oromia Regions; the ferocious wars raging in the Tigray and Amhara Regions etc... stem from its dysfunctional governance architecture.
In the wider Horn of Africa Region, the Potemkin Party continues to instigate and manufacture unnecessary and avoidable tensions with Eritrea, Somalia, and the Sudan respectively in pursuit of myopic and ill-advised agendas of territorial irredentism and destabilization; often to advance, as a surrogate party, the larger schemes of certain external powers.
In the event, the Potemkin Party does not require additional "militarism" but therapeutic introspection - ናይ ክልተ ሸውዓተ ማጨሎት ደርዓንቶ!
Ethiopia and the region cannot indeed afford, and must be spared from, yet another cycle of costly conflicts and turmoil.
xitter.cf/fanatelevision/status/…
🇪🇹 Military Science Training Strengthens Senior Leaders’ Readiness for National Security Decisions in Ethiopia: Foreign Minister
Read more ➡️ facebook.com/share/p/18onUEV…
ፈለግ ሰውራ retweeted
Public seminar for nationals in Sudan’s Red Sea Region
Public seminar for nationals in Sudan’s Red Sea Region has been conducted on 6 November in Port Sudan.
At the seminar, participants expressed their readiness to counter all hostilities aimed at undermining Eritrea’s sovereignty and territorial integrity.
Mr. Isa Ahmed Isa, Eritrea’s Ambassador to Sudan, provided briefing to participants on the objective situation in the homeland and on regional and global developments.
Ambassador Isa said that resilience is part of culture of the Eritrean people that has been passed to generations. He called on nationals to take an active part in national affairs through public diplomacy and economic, political and other activities.
Mr. Ismail Musa, head of Public and Community Affairs, called on nationals to strengthen their organizations, awareness, unity and contribute to the national resilience program.
Participants stressed that Eritrea’s independence, sovereignty and territorial integrity, secured through sacrifice and affirmed by law, constitute a red line. They expressed their readiness to live up to the expectations of their country and people.
Heads of communities and national organizations, religious leaders and village elders from various parts of Port Sudan and Suakin attended the seminar. #Eritrea
ፈለግ ሰውራ retweeted
Another 34 Orthodox Christians have been slaughtered in Arsi, bringing the death toll to more than 100 in just ONE WEEK.
🕯️🕯️🕯️🕯️🕯️🕯️
How many more innocent lives must be buried before the world stops looking away and demands justice?
#AmharaGenocide #OrthodoxGenocide #EndChristianPersecution














































