
www.eriswiss.com retweeted
ጠለብ “ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ” ርእሰ-ቅትለት ንልኡላዊ ካርታ ኢትዮጵያ
ሳሙኤል ገብረብርሃን
(ክኢላዊ ሕጊ)
ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓቂ ኣብ ትሕቲ ረጒድ ናይ ፕሮፓጋንዳ ደበና ተቐቢራ ትርከብ። ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኣዳራሻት ኣዲስ ኣበባ ብማዕበል ዝናፈስ ዘሎ ናይ ኲናትን ወደብን ረብሻ፡ ንልኡላውነት ቀይሕ ባሕሪ ብምግሃስ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። እቲ ካብ 4 ኪሎ ዝስማዕ ዘሎ ደሃይ፡ “እቶም ኣብ መንጎ ጣልያንን ምኒልክን ብ1900፡ 1902 ከምኡ’ውን 1908 ዝተኸትሙ ውዕላት ናይ መግዛእቲ ስለ ዝኾኑ ኣየገድዱናን እዮም፤ ባሕሪ ናይ ተፈጥሮ መሰልናን ታሪኻዊ ርስትን እዩ” ዝብል ጥሒስካ ናይ ምሕላፍ ዘመተ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ ብስምዒት ዝሰኸረ መደረታት፡ ንመላእ ናይ ሎሚ ካርታ ኢትዮጵያ ናብ ገደል ዘእቱ፡ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምቕታል ዝዓበየ ናይ ሕጊ ግርምቢጥነት (The Great Legal Paradox) ተሓቢኡ ይርከብ። እታ እተሰንብድ ሕጋዊት ሓቂ ግን እዚኣ እያ፦ ኢትዮጵያ “መግዛእታዊ ውዕላት ኣየገድዱንን እዮም” ዝበለትላ ዕለት፡ ንገዛእ ርእሳ ካብ ኦጋዴን ክሳብ ጋምቤላ፡ ካብ ቤኒሻንጉል ክሳብ ቦረና ዘለዋ ግዝኣታት ካብ ካርታ ዓለም ብሕጊ ንኽድምሰሳ ባዕላ ናይ ሞት ፍርዳ ትፍርም ምህላዋ እዩ።
ቅድሚ ናብቲ ሰነዳዊ ጭብጥታት ምእታውና፡ ንተራ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ኣፈ-ታሪኽን ናይ ሕግን ፍልልይ ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲከኛታት ኣዲስ ኣበባ “ሕጊ ገዲፍኩም ታሪኽ ተወከሱ፤ ኣኽሱማውያን ኣብ ባሕሪ ይነግዱ ነይሮም፡ ናይ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ታሪኽ ኣለና” እናበሉ ህዝባዊ ስምዒት ከራስኑ ይፍትኑ። እንተኾነ፡ ዘመናዊ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ናይ ኣቦሓጎታት ጽውጽዋይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውዕላትን ብሕጊ ዝጸደቑ ዶባትን ጥራይ እዩ ዝምስረት። ሓደ ሰብ ናብ ገዛኻ መጺኡ “ቅድሚ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣቦሓጎይ ኣብዚኣ ጤለ-በጊዕ የውፍር ነይሩ እሞ ገዛኻ ልቐቐለይ” እንተ ኢሉካ፡ ‘ጒዳይ እንተለካ ናብ ቤት ፍርዲ ንኺድ’ ትብሎ እምበር፡ ገዛኻ ኣረኪብካ ኣይትወጽእን ኢኻ። ቤት ፍርዲ ድማ ብጽውጽዋይ ዘይኮነስ፡ ብሰነድን ካርታን እዩ ነቲ ጉዳይ ዝፈርዶ። ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብ’ውን ልክዕ ከምኡ እዩ። ታሪኽ መወከሲ እንተ ዝኸውን፡ ጣልያን ንሜዲተራንያን ናይ ሮማ ግዝኣት ነይሩ ኢላ፡ ግብጺ ክሳብ ሱዳን ዝዝርጋሕ ግዝኣት ነይሩኒ ብምባል፡ ብሪጣንያ ከኣ ኣመሪካን ህንድን ናተይ እየን ብምባል ንዓለም ናብ ደም ባሕሪ ምቐየራኣ ነይረን። ስለዚ እዩ ዓለምለኻዊ ስርዓት ንዶባት ኣብ ውዕላት ጥራይ ክምስረት ዝወሰነ።
ሕጂ እምበኣር፡ ናብቲ ዓንዲ ሕቖ ዝሰብር ሕጋዊ መርትዖ ንኺድ። እቲ ንኤርትራ ዘቖመ መግዛእታዊ ውዕላት፡ ምስቲ ንናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ዝፈጠረ መግዛእታዊ ውዕላት ብተመሳሳሊ ዘመን፡ ብተመሳሳሊ ናይ መግዛእቲ ኣገባብን ምስ ተመሳሰልቲ ናይ ኤውሮጳ ሓይልታትን ዝተኸተመ እዩ። ሓንቲ ዘየዳግም ሕቶ ንሕተት፦ ኦጋዴን (እቲ ሎሚ ክልል ሶማሌ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ) ብምንታይ ሕጊ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ኮይና፧ ሓደ ፖለቲከኛ “ናይ ኣቦታትና መሬት እዩ” ክብል ይኽእል ይኸውን፤ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ግን “ናይ ኣቦታትና” ዝበሃል ዓንቀጽ የለን። ኦጋዴን ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ኮይና ዘላ፡ ብ14 ግንቦት 1897 ኣብ መንጎ ሃጸይ ምኒልክን ወኪል ብሪጣንያ ሰር ሬነል ሮድን ብዝተኸተመ ናይ እንግሊዝን ኣንያን ናይ ዶብ ውዕል (Anglo-Ethiopian Treaty of 1897) ጥራይ እዩ። እቲ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ከም ዝሕብሮ፡ ሃጸይ ምኒልክ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ሓይልታት ዶባቱ ንምሕንጻጽ ውዕላት ዶብ ፈሪሙ እዩ። ብሪጣንያ ንሶማሊላንድ ትገዝእ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንሶማላውያን ከየፍለጠት፡ ሓደ ሶማላዊ እኳ ከይፈረመሉ፡ ንረብሓኣ ኢላ ነቲ መሬት ቆሪጻ ንምኒልክ ዝሃበቶ እዩ። ኢትዮጵያ “መግዛእታዊ ውዕላት ኣየገድዱንን እዮም” እንተ ኢላ፡ ሶማልያ ተላዒላ “እቲ ንኦጋዴን ዝሃበኩም ናይ 1897 ውዕል’ውን ናይ መግዛእቲ እዩ፤ ስለዚ ኦጋዴን ኣረክቡና” ክትብል ምሉእ ሕጋዊ መሰል ይህባ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ጋምቤላን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ናብ ካርታ ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ብ15 ግንቦት 1902 ብዝተኸተመ ናይ እንግሊዝ-ግብጺ- ኣቢሲንያ ናይ ዶብ ውዕል እዩ። ብሪጣንያ ንሱዳን ትገዝእ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ምስ ምኒልክ ብዝተገብረ ስምምዕ፡ እቶም ኣብቲ ዶብ ዝነብሩ ህዝብታት ኣኙዋክን ኑዌርን ብናይ መግዛእቲ መስመር ተቖሪጾም ናብ ኢትዮጵያ ተጸንቢሮም። ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን’ውን ብተመሳሳሊ ብ6 ታሕሳስ 1907 ብዝተኸተመ ናይ ብሪጣንያ ምብራቕ ኣፍሪቃ ውዕል (British East Africa Agreement) እዩ ቆይሙ። እዚ ማለት፡ ካርታ ኢትዮጵያ ካብ ኦጋዴን ክሳብ ጋምቤላ፡ ካብ ቦረና ክሳብ ቤኒሻንጉል ብናይ እንግሊዝ፡ ፈረንሳን ጣልያንን መግዛእታዊ ውዕላት ዝተሃነጸ እዩ። ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ድማ “ምምራጽ” (Cherry-picking) ዝበሃል ነገር የለን። “እቲ ንዓይ መሬት ዝሃበኒ ናይ እንግሊዝ ውዕል ይጽናሓለይ፡ እቲ ንኤርትራ ዘቖመ ናይ ጣልያን ውዕል ግን ይፍረስ” ምባል ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። መግዛእታዊ ውዕል ኣይቅበልን ካብ ተባህለ፡ ኦጋዴን ንሶማልያ፡ ጋምቤላን ቤኒሻንጉልን ንሱዳን ተመሊሰን፡ ኢትዮጵያ ናብታ ምኒልክ ክብገስ እንከሎ ዝነበረቶ ግዝኣት ናይ ቀደም ሸዋ ክትምለስ ትግደድ።
ታሪኽ ኣዝዩ ዘገርም ናይ ሕነ ምፍዳይ ፍጻመታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ 1964፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (OAU) ኣብ ካይሮ ጉባኤ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ሓዳስ ናጻ ዝወጸት ሶማልያ፡ “እቲ ብ1897 ብእንግሊዝ ዝተሓንጸጸ መግዛእታዊ ዶብ ኣይንቕበሎን ኢና፤ ኦጋዴን ብታሪኽ መሬትና እዩ” ኢላ ምስ ተላዕለት፡ መራሒ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሰ እንታይ ከም ዝገበረ ንዝክሮ። ሃይለስላሰ ናብ ካይሮ ጎዪዩ፡ “ኣብ ኣፍሪቃ መግዛእታዊ ዶባት እንተ ተተንኪፎም፡ መላእ ኣህጉርና ናብ ዘይውዳእ ሓዊ ኲናት ክትኣቱ እያ፤ ስለዚ ኩለን ሃገራት ነቲ መግዛእቲ ዝገደፈለን ዶባት ከም ዘለዎ ከኽብራ ኣለወን” ኢሉ ተማጎተ። ውጽኢቱ ድማ እቲ ፍሉጥ ናይ 1964 ናይ ካይሮ ኣዋጅ (AHG/ Res. 16(I)) ጸደቐ። እዚ መትከል እዚ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ Uti possidetis juris (ምኽባር መግዛእታዊ ዶባት) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ንኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ዘድሓነን ንኦጋዴን ኣብ ትሕቲኣ ኣጽኒሑ ዘዕቆበን እንኮ ዋልታ እዚ ናይ መግዛእታዊ ዶባት ቅዱስነት ዝእውጅ ሕጊ እዩ ነይሩ። ሎሚ ድሕሪ 62 ዓመት፡ ሰበ-ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ተንሲኦም ልክዕ ከምታ ናይ 1964 ሶማልያ ኮይኖም “ታሪኻዊ መሰል ኣለና፡ መግዛእታዊ ዶባት ኣይንቕበልን” ክብሉ እንከለዉ፡ ነቲ ንዓታቶም ዘዕቆበ ዋልታ ባዕሎም ብ ኢዶም ይሰብርዎ ኣለዉ።
ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ (ICJ) ዝተመዝገቡ ውሳነታት’ውን ነዚ መጎተ’ዚ ብጽኑዕ ይድግፍዎ። ኣብቲ ብ1986 ዝተወሰነ ጉዳይ ቡርኪና ፋሶን ማሊን (Burkina Faso v. Mali)፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ መትከል Uti possidetis juris ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንምዕቃብ ዘገልግል ዘይነቓነቕ ዓንዲ ምዃኑ ደምዲሙ እዩ። ብዝበለጸ ድማ እቲ ኣብ 1962 ኣብ መንጎ ካምቦድያን ታይላንድን ዝተኻየደ ክርክር ቤተ-መቕደስ ፕሬህ ቪሄር (Temple of Preah Vihear) ንኢትዮጵያ ከም መስትያት ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ኣብቲ እዋን ታይላንድ፡ ንዓመታት ተቐቢላቶ ዝጸንሐት ናይ ፈረንሳ መግዛእታዊ ካርታ፡ ጸኒሓ “ናይ መግዛእቲ ስለ ዝኾነ ኣይቅበሎን እየ፡ እቲ ቤት- መቕደስ ብታሪኽ ናተይ እዩ” ምስ በለት፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ብመትከል ኢስቶፐል (Doctrine of Estoppel) ቀየዳ። እቲ ቤት ፍርዲ “ንዓመታት ተቐቢልኩም ዝረባሕኩምሉ ናይ መግዛእቲ ሰነድ፡ ሎሚ ኣይጠቕመናን እዩ ኢልኩም ክትክሕድዎ ብሕጊ ፈጺሙ ኣይፍቀደልኩምን እዩ” ብምባል ንታይላንድ ስዕረት ኣጎናጸፋ። ኢትዮጵያ ን62 ዓመታት ንሶማልያ ንምስዓር “መግዛእታዊ ዶባት ይከበር” ኢላ ተማጒታ ካርታኣ ኣዕቊባ ጸኒሓ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሐት ግን “ናይ ጣልያን መግዛእታዊ ውዕል ኣይቅበልን” ክትብል ብመትከል ኢስቶፐል ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዓለም ፍጹም ተቐባልነት የብላን።
እቲ ዝዓበየ ዘመናዊ መርትዖ ናይዚ ሕጋዊ ግርምቢጥነት ግን ኣብዚ ቀረባ ታሪኽና ዝተኸስተ ፍጻመ እዩ። ብ2000 ዓ.ም. ኣብ ኣልጀርስ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ከምኡ’ውን ብ2002 ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEBC) ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን፡ ነቶም ናይ 1900፡ 1902 ከምኡ’ውን 1908 መግዛእታዊ ውዕላት ከም እንኮን ዘይነቓነቕን ሕጋዊ መሰረት ገይሩ እዩ ተቐቢልዎም። ኣብ ቅድሚ እቲ ዓለምለኻዊ ዳንነት፡ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሳ ብዓበይቲ ናይ ሕጊ ክኢላታትን ብሚልዮናት ዶላራትን ተሓጊዛ፡ ነቶም ናይ ጣልያን መግዛእታዊ ውዕላት ከም ቅዱስ መወከሲ ገይራ እያ ንዓመታት ክትከራኸረሎም ጸኒሓ። ኣብ 2018 እውን መራሒ ብልጽግና ነዚ ሓቂ እዚ ደጊሙ ብኽታሙ ተቐቢልዎ እዩ። ብተወሳኺ፡ ዓንቀጽ 62(2)(a) ናይቲ ብ1969 ዝጸደቐ ናይ ቪየና ውዕል ሕጊ ውዕላት (Vienna Convention on the Law of Treaties)፡ ናይ ዶብ ውዕላት ብዝኾነ ይኹን ናይ ግዜ ወይ ናይ ስርዓታት ምልዋጥ ዘይፈርሱ ዘልኣለማውያን ምዃኖም ብንጹር ይድንግግ። እሞኸ ደኣ፡ ባዕልኻ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኣብ ቅድሚ ዓለም ብወግዒ ዝተኸራኸርካሎምን ዝፈረምካሎምን ውዕላት፡ ሎሚ “መግዛእታዊ ስለ ዝኾኑ ኣይሰርሑን እዮም” ምባል ካብ ናይ ሕጊ ድንቁርና ወጻኢ እንታይ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ይከኣል፧
ንምጥቕላል፡ ናይ ሕጊ ሚዛን ኣዝዩ ንጹርን ዘየወላውልን እዩ። “ቀይሕ ባሕሪ ናተይ እዩ” ምባል፡ ንኤርትራ ዘይኮነስ፡ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ሓጹር ብኢድካ ምፍራስ ማለት እዩ። ናይ ኤርትራ ቀይሕ ባሕሪ ብደምን መስዋእትን፡ ብሕጊ ዓለም፡ ብመግዛእታዊ ውዕላት (1900፡ 1902፡ 1908)፡ ብናይ 2002 ናይ ዶብ ኮሚሽን (EEBC) ብይን ከምኡ’ውን ብፈደራላዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣዋጅ 225/1993ዓ/ም (ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 2000) ንዘልኣለም ዝተዓጽወ ናይ ልኡላውነት ጉዳይ እዩ። ጥንታዊ ምስላ “ዓይኒ ሰብ ከውጽእ ዝደለየ፡ ክልተ ኣዒንቱ የጥፍእ” ከም ዝብሎ፡ ናይ ጎረቤትካ ወደብ ብዓመጽ ክትምንዝዕ ምሕሳብ፡ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ሃገር ኣብ ኣፍ ደገ ምብትታን ምቕማጥ ጥራይ እዩ ትርጉሙ። መግዛእታዊ ውዕላት ዘየገድዱ እንተ ኾይኖም፡ ኢትዮጵያ ንኦጋዴን ካብ ሶማልያ፡ ንጋምቤላን ቤኒሻንጉልን ድማ ካብ ሱዳን ፈልያ “ሕጋዊ መሬተይ” እትብለሉ ሓንቲ ናይ መግዛእቲ ዘይኮነት ሰነድ ወይ ካርታ ክተቕርብ ኣይትኽእልን እያ። እታ ሓቂ ሓንቲ እያ፦ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ እዩ፤ ነዚ ምኽሓድ ድማ ንኢትዮጵያ ናብ ናይ ካርታ ርእሰ-ቅትለት ምምራሕ ጥራይ እዩ።
www.eriswiss.com retweeted
His Excellency the Eritrean Minister of Foreign Affairs, Mr. Osman Saleh, gave a briefing to the ambassadors of the European Union member states accredited to the Arab Republic of Egypt, at the headquarters of the Egyptian Ministry of Foreign Affairs.
The briefing addressed the latest developments in the current situation in the region, the Horn of Africa, the Red Sea, and the Gulf of Aden.
Via Embassy Of State Of Eritrea In Cairoسفارة دولة ارتريا فى القاهرة
www.eriswiss.com retweeted
My thanks to Presidential Advisers H.E. Hagos Gebrehiwet and H.E. Yemane Ghebreab for informative meetings today.
Discussions focused on 🇪🇷’s economic/trade priorities & how respect for territorial integrity + int’l law dictate regional security and prosperity in the Horn.
www.eriswiss.com retweeted
Ethiopia’s Calculated Use of Maritime Diplomacy to Camouflage its Irredentist Ambitions in the Region
Ministry of Foreign Affairs
Research and Documentation Division
26 November 2026
*"...Whenever the Ethiopian ruling party finds itself bereft of a defensible legal argument for an array of warped and unlawful ambitions in the region, its customary reflex is to convene a symposium".
*"...Over the past year, consistent with its three-year campaign of aggression against the State of Eritrea, the Prosperity Party (PP), in predictable fashion, has embarked on a convoluted campaign of maritime forum diplomacy. Through the Organization of blue-economy conferences, the dispatch of delegations to naval security panels, and the sponsorship of strategic dialogues, the Ethiopian regime has sought to manufacture a veneer of international legitimacy around its illegal demand for 'sovereign sea access', in the futile effort to launder territorial revisionism through multilateral engagement".
*"...For Eritrea, the legal and historical record admits no ambiguity, nor does it require an endless succession of seminar rooms to amplify the indelible truth. International law establishes a clear and well-established equilibrium between the sovereign rights of coastal states and the transit needs of landlocked countries. Landlocked states enjoy the right of access to and from the sea through good-faith negotiated commercial arrangements, governed by applicable international law, appropriate bilateral agreements, and the sovereign regulatory jurisdiction of transit states. What international law does not confer upon them, however, is any unilateral entitlement to annex port infrastructure, station naval assets on foreign shores, or impose arrangements that compromise the sovereignty of a neighbouring coastal state".
*"...Moreover, Eritrea has never opposed mutually beneficial commercial utilization of its ports, provided such arrangements are founded on respect for Eritrean sovereignty. Indeed, even following the outbreak of the Eritrea-Ethiopia border war in May 1998, Eritrea did not block or obstruct Ethiopia’s access to its port facilities at Assab and Massawa. Eritrea’s subsequent offers for Ethiopia to use its ports to facilitate the transportation of vital food assistance in 2000 and again in 2002 were likewise rejected by Ethiopia. In a stark reversal, the PP now weaponizes that self-inflicted isolation, framing 'sovereign sea access' as an existential imperative to justify expansionist rhetoric and military aggression".
*"...Furthermore, following the 2018 peace declaration, Eritrea once again opened its doors in good faith, offering an opportunity to transcend the destructive legacy of confrontation and establish a new foundation for bilateral cooperation. It was the Ethiopian ruling party, however, that squandered this historic opportunity, reverting instead to hegemonic nostalgia, belligerent posturing, and increasingly brazen territorial rhetoric".
*"...Eritrea remains steadfast in its commitment to genuine regional peace, mutually beneficial economic cooperation, and respect for international law. But it will not surrender an inch of its territory or maritime domain to diplomatic theatre, economic coercion, or the threat or use of force".
shabait.com/2026/11/26/ethio…
Head of Political Affairs of the PFDJ Mr. Yemane Gebreab, delivered a seminar on the current national and regional situation at Mai Nefhi’s College of Engineering and Technology.
Thousands of college students attended the event.
www.eriswiss.com retweeted
#Eritrea: Medical Collaborations to Advance Specialized Surgical Services
by Mussie Efriem
*", Ultimately, the latest surgical program at Orotta National Referral Hospital reflects the enduring value of international medical cooperation in advancing specialized healthcare delivery in Eritrea. By combining shared professional expertise, modern medical technology, and strong institutional partnership, the initiative continues to improve patient outcomes and strengthen the nation’s medical capacity for the future".
shabait.com/2026/11/25/medic…
ርእሰ-ምርኮሳ ንበይንኻ ምጒዓዝ ማለት ኣይኰነን።
ቍጠባዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት #ኤርትራ - ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወት፡ ኣብ ናይ ትማሊ ርክብ🇪🇷🤝🇺🇳ብዛዕባ ርእሰ-ምርኮሳ ኣብ ልምዓታዊ ጕዖዞ🇪🇷ዘለዎ መቓናዊ ትርጉም መብርሂ ሂቡ።
#Eritrea #SustainableDevelopment
www.eriswiss.com retweeted
www.eriswiss.com retweeted
Foreign Minister Osman Saleh held a series of meetings, on the sidelines of the 6th Edition of the Aswan Forum, with Ms. Annette Weber, EU Special Representative for the Horn of Africa; Mr. Guang Cong, Special Envoy of UNSG for the HoA; Mr. Pekka Haavisto, Personal Envoy of UNSG for Sudan; and, Mr. Richard Crowder, UK Special Representative to Sudan.
The talks broadly focused on current developments and trends in the Horn of Africa.
www.eriswiss.com retweeted
The attached news (link below) on UAE's massive weapons-airlift to Ethiopia has gone viral on social media over the weekend. (The airlifts for October were around 80, the highest monthly flights relative to the preceding months this year).
The Horn of Africa does not need/deserve, and must not be plunged into, perennial wars.
Sadly, the toxic mix of Potemkin Party's irredentist agendas as well as its pliant/surrogate role to do the bidding of external forces has become, and continues to be, the primary source of this dangerous state of affairs.
And pretentious as it is, the Potemkin Party continues to deceitfully project an image of
development and progress; including by hosting "prestigious"/beneficial international forums: 5th Conference on Public Health in Africa (which will be convened this week); COP32 etc...
xitter.cf/kenyaaxis/status/21245…
New footage from Bole International Airport in Addis Ababa, #Ethiopia, reportedly shows around seven UAE-linked Il-76TD cargo aircraft.
The aircraft have been linked to suspected weapons and ammunition shipments to Sudan's Rapid Support Forces (RSF), drawing renewed attention to the #UAE-Ethiopia air cargo network and its potential role in Sudan's ongoing war.
barazabrief.com/2026/11/uae-…
ነዛ ዘውዲ’ዚኣ ዝትንክያ ወይልኡ!
ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር’ያ። እዚ ድማ፡ ኣንጻር ገዛእትን ዓመጽትን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ኣስታት 80 ዓመታት ቃልሲ – 30 ዓመታት ካብኡ ዕጥቃዊ ገድሊ – ዝተረጋገጸ፣ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተን ክረኽባ ከለዋ፡ ብዓሎቚ ተነፊግዋ ዝጸንሐን ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፈሎን መሰረታዊ ሃገራዊን ሰብኣዊን መሰል’ዩ።
ንልኡላውነት ብዝምልከት፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዘየሻሙ ቃላት’ዩ ኣነጺርዎ ዘሎ። ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 2(4)፡ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ሓድነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ዝዀነት ትኹን ልኡላዊት ሃገር ዝግበር ምፍርራሕ ወይ ምጥቃም ሓይሊ፡ ውጉዝን ክልኩልን’ዩ። ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝቘመሉ ውዕል’ውን፡ መግዛእታዊ ዶባት ብጥብቂ ክኽበር ከምዘለዎ ብድሙቕ መስመር ኣስፊርዎ’ሎ።
ልኡላውነት፡ ብማንም ዘይትንከ ፍጹም ስለዝዀነ፡ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ – መሬቱ፡ ባሕሩን ሰማዩን፡ ቀይሕ መስመር’ዩ። “እርማት ዝጽበ ታሪኻዊ ጌጋ” ዘይኰነ፡ ንታሪኻዊ ዓመጽ ብደም፡ ድምጽን ሕግን ዝኣረመ፣ ወለዶታት ተበራርዮም ረዚን ዋጋ ዝኸፈሉሉ – ዘየማጉትን ዘይግሃስን’ዩ።
ኤርትራ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ብመስዋእቲ ደቃ’ያ ናጽነታ ተጐናጺፋ። ኣብ 1993 ብድሌታ ዝገበረቶ ረፈረንደም ድማ፡ ነቲ ብደም ዝተረጋገጸ መሰል – ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝካየድ ሕጋዊ ፖለቲካዊ መስርሕ መኸተምታ ንምግባር ደኣ’ምበር፡ ባርኾት ናይ ዝዀነ ይኹን ወገን – ኢትዮጵያ ይኹን ካልእ ስለዘድለያ ኣይነበረን። እዚ፡ ክወሓጥ ዘለዎ ጥረ ሓቂ’ዩ።
ነዚ ኣድማሳውን ሕጋውን መርገጺ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ – ኣብ ወርሒ ሓምለ 1991 ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተኻየደን ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ዝተረኽበሉን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መመሊሱ ብዝዂላዕ ወርቃዊ ቃላት ብኣግኡ ኣነጺርዎ’ዩ። ገለ “ልሂቃን” ኢና በሃልቲ ዕሱባት ብልጽግና፡ ሎሚ – ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ“ውዲት” እናወቐሱ ዘስምዕዎ ዘለዉ ጫውጫውታ እምበኣር፡ ትርጉም ዘይብሉ ንብዓት ሓርገጽ’ዩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ብልጽግና፡ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ “ብውዲ ወይ ብግዲ” ንምሓዝ ዝገብሮ ዘሎ ታህዲድን ምንቅስቓሳትን፡ ንመትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረር፡ ዘይሕጋውን ቅሉዕ ጥሕሰትን’ዩ። ንመስኮት ባሕሪ ምስ “ታሪኻዊ ምትእስሳር”፡ “ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት”ን “ቊጠባዊ ረብሓታት”ን እናተኣሳሰርካ ንልኡላውነት ኤርትራ ዒላማ ጌርካ ዝደጋገም ኣሰልቻዊ ትረኻ’ውን፡ ካብ ወራር ዝፍለ ኣይኰነን። ሳዕቤኑ ድማ ከቢድ’ዩ።
ኤርትራ፡ ንሰላም ወትሩ ድሉውቲ’ያ። ሰላም ንኹሉ ዘርብሕ ብጽሒት ከምዘለዋ ኣማእዝያ ስለእትፈልጥ። የግዳስ፡ ኣብ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ሕድገት ወይ ልዝብ ከምዘይትገብር፡ ብዘየወላውል ቃላት ኣነጺራቶ’ያ። ተሃንዲዱ ንዘውዲ ልኡላውነታ ዝትንኪ ወይልኡ! ሓጻውኖምን ብዝሖምን ኣሚኖም – ንወራር ተሃንዲዶም ዝመጹ ቀዳሞት ኣበይ ከምዝኣተዉ፡ ሕሉፍ ታሪኽና እኹል መወከሲ’ዩ።
www.eriswiss.com retweeted
Simon Amanuel, 19, defended his Cinque Mulini title in 23:28 on a rain-soaked, muddy course in Italy!
🏆 He led from the early stages and won by 29 seconds. Even more impressive after his 5km bronze in Copenhagen just months ago. Congrats, Simon! #Eritrea #CinqueMulini 🇪🇷
www.eriswiss.com retweeted
#Eritrea's delegation led by Ambassador Fessehatzion Petros participated at the Nordic-Africa Foreign Ministers' Meeting held in Oslo, Norway, from 20-21 November this week.
The meeting, held under the theme: "Global Challenges, Shared Interests - African and Nordic Perspectives on Multilateral Cooperation" offered a vital and timely platform to discuss multipolarity for more stable, fairer, and inclusive global governance architecture; approaches and common platitudes for reform of the UN as well as the Bretton Woods Institutions; and, modalities of development cooperation that eschew conditionalities that override the political independence and development path charted out by key stakeholders.
Eritrea's delegation also held bilateral talks with counterparts at the Norwegian Foreign Ministry on the sidelines of the Nordic-Africa Foreign Ministers' Meeting.
www.eriswiss.com retweeted
Met with H.E. Mrs. Véronique Dockendorf, Permanent Representative of Luxembourg to the @UN. Discussed issues pertaining to the multilateral system and developments in the Horn of Africa.
The discussion focused on growing concerns over developments in #Ethiopia, including the increasingly belligerent rhetoric and actions of the ruling Prosperity Party (PP), amid the international community’s failure to ensure accountability for grave crimes committed against the people of #Ethiopia in #Afar, #Amhara, #Oromia, #Tigray and other regions.
For the past three years, the PP regime has threatened the sovereignty and territorial integrity of #Eritrea, including ambitions to annex #Eritrean territories.
Its surrogates increasingly convey the perception that such violations of international law will carry no consequences, further emboldening aggression and destabilizing the region.
Emphasized the importance of principled, consistent and credible international engagement, anchored in respect for sovereignty, territorial integrity, the Charter of the United Nations and international law.
Selective application of these principles and the normalization of threats and coercion risk undermining the credibility of the multilateral system and emboldening those who seek to advance their ambitions through force.
Agreed to further strengthen #Eritrea–#Luxembourg relations.
www.eriswiss.com retweeted
Eritrean Delegation Participates in OACPS Meetings in Brussels
Eritrean delegation led by Amb. Negasi Kassa took part in the 65th OACPS Council of Ministers session & the OACPS-EU Joint Parliamentary Assembly in Brussels (8–13 Nov). Topics included member-state financing of previously EU-funded activities (proposed contributions 5,000 to 50,000 euros per member state), sustainable financing, climate change, raw materials, and security in a multipolar world.
shabait.com/2026/11/20/eritr…













































