Pinned Tweet
መኸተና፡ ንሃገራዊ ስግኣት ንሓዋሩ ዝድምስስ፡ ንጸላእትና ድማ ብሓይሊ ሓድነትና፡ ጽንዓትናን ቆራጽነትናን ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደረጃ ዘስተንክር ክኸውን ኣለዎ።
ሎሚ ዘይከተ፡ ጽባሕ ክትጸንዕ ኣይትኽእልን። ሎሚ ዘይተዳለናሉ ስግኣት፡ ጽባሕ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና ይኽእል። ስለዚ ምድላውና ሎሚ፡ ሓድነትና ሎሚ፡ ጽንዓትና ሎሚ!
ሓይልና ኣብ ሓድነትና፡ ውሕስነትና ኣብ ምድላውና፡ ዓወትና ድማ ኣብ ቆራጽነትና እዩ!
ዓወት ንሓፍሽ !
#Ertrea #highlight #BreakingNews #EDF #PFDJ
ቆልዓ በሻሻ፡ ካብ ስክሪን ጻድቃንን ጌታቸውን ዝተዳለወ ጽሑፍ እናንበበ ተታሒዙ!
ትማሊ ኣብታ ብባዕሉ ዝቆጻጸራ ቴሌቪዥን ተራእዩ ዝተባህለ 27 ደቓይቕ ቃለ-መሕትት ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣቓልቦ ዝስሕብ ዝርዝር ኣሎ።
እቲ ካሜራ ኣብ ገጹ ካብ ምትኳር ንላዕሊ፡ ሰፋሕቲ ስእልታትን ኣብ ሕቶ እትሓትት ሰብን የተኩር ነይሩ። ስለምንታይ? እቲ መልሲ ኣብ ስክሪን ተጻሒፉ ዝተዳለወ ጽሑፍ ይንበብ ነይሩ ዝብል ጥርጣረ የልዕል።
ኣብቲ ምስሊ እንተተመልኪትና፡ ኣዒንቱ ናብ ዝተወሰነ ኣንፈት ብተደጋጋሚ ክንቀሳቐሳ ንርኢ። እዚ ግን ብዘይ ምሉእ ቪድዮን ተወሳኺ መርትዖን ጥራይ እቲ ጽሑፍ ካበይ ከም ዝተዳለወ ወይ እንታይ ከም ዘንብብ ብርግጽ ኣየረጋግጽን።
እቲ ቀንዲ ሕቶ ግን እዚ እዩ፦ እቲ ቃለ-መሕትት ናይ ናጻ ሓሳብን ግሉጽ መልስን መድረኽ ድዩ፡ ወይስ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መልእኽቲ ንምቕራብ ዝተዳለወ ትርኢት?
ህዝቢ ዝደልዮ ግልጺ ሓበሬታ፡ ቀጥታዊ መልስን ተሓታትነትን እዩ። ኣብ ፖለቲካ፡ ቃላት ጥራይ ኣይኣኽሉን፤ መርትዖን ተግባርን እውን የድልዩ።
@AbiyAhmedAli
🤖 Made with AI
Filmona Teklay retweeted
ህውተታ ስርዓት ብልጽግና
(2ይን መወዳእታን ክፋል)
ናሆም ተስፋሚካኤል
ክፍሊ ምርምርን ሓበሬታን
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ
ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ብልጽግና ንምዕዋት ኣጀንዳ ባሕሪ
“እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ-ባሕሪ ትርጉም የብሉን፣ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥሙ ሕልኽላኻት ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት ዓባይ ሃገር ናይ ምፍትሑን ምቁጽጻሩን ሓላፍነት ክህልዋ ይግባእ” ዝብሉ ህውቱት መግለጺታት ብስርዓት ብልጽግና ክጋዋሕ ጸኒሑ ኣሎ። ተቐባልነት ንምርካብ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ክስርሓሉ ኣለዎ ተባሂሉ ከኣ ዳርጋ ብዛዕባ’ዚ ዳርጋ መብርሂ ዘይተዋህባ ሃገር የላን።
ብልጽግና ምስ ኢማራት ዓረብ ዝፈጠሮ ዝምድና ብቐንዱ ነዚ ኣጀንዳ’ዚ ንምስሳይ እዩ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ናይ ወደብ ሃጸይነት (port imperialism) ጥሙሕ ስለዘለዋ ነዚ ከሳልጥ ዝኽእል ዕሱብ ስርዓት ብልጽግና ኮይኑ ረኺባቶ። እልቢ ዘይብሉ ቢልዮናት ዶላራት ኣመሪካ እናሃበት ድማ፡ ነዚ ዝንቡዕ ጉዳይ ክዉን ንምግባሩ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ተካይድ ኣላ። ብልጽግና ነተን ካብ ኢማራት ዝረኽበን ገንዘብ ነቲ ኣብቲ ሃገር ባዕሉ ፈጢርዎ ዝርከብ ጸጥታዊ ዘይርጉእነት ኲናት ምስ ኣምሓራን ካልኦት ሓይልታትን ኣብ ምቅላስ የውዕሎ ኣሎ። ካልእ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ተገዳስነት ኣሕዲራ ዘላ እስራኤል እያ። እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እግራ እተንብረሉ ዕድል ንምርካብ ንነዊሕ ዓመታት ሰሪሓ እያ። ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ምስቲ ዝነበራ ጥሙሕ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ’ዩ። ብልጽግና ካብ ኢማራትን እስራኤልን ሓሊፉ ምስ ፈረንሳ’ውን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ እጃማ ከተበርክት ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑን ኣሎን። ስርዓት ብልጽግና ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ምዕዋት ናይዚ ኣጀንዳ’ዚ ወሳኒ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ሓደ ክልተ ሃገራት ገዲፍካ ዝበዝሓ ሃገራት ኢትዮጵያ ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሃገራት ከተኽብርን ብኣህጉራዊ ሕግታት ክትቅየድን እየን ዝምጉታ።
3.1 ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ብልጽግና ንመሰረታዊ ኣዕኑድ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር ምንቅስቓስ ማለት ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምቲ እናወሰደ፡ ብኣንጻሩ ብደረጃ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ትግራይ ሓቢሩ ክወቕዓና ይዳሎ ኣሎ ዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስዳዱ ኣይርሳዕን። ብልጽግና ኣብ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ዝፈጸሞ በይናዊ ውዕል መዘክር ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማል ዝጻረር፡ ነዚ ዞባ ድማ ናብ ዘይዓርፍ ቅልውላው ከምርሕ ዝኽእል እዩ። ሓሊፉ ንወደብ ዓሰብ ኣካል ኢትዮጵያ ንምግባራ ዝገብሮ ዘሎ ሃቐነታት ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን እውን ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ብልጽግና ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰደዶ ደብዳቤ ከኣ፡ ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝእውጆ ኲናት ሕጋዊ ንምምሳሉ ዝዓለመ እዩ።
3.2 ሕብረት ኣፍሪቃ
ስርዓት ብልጽግና ኣብ ዝረኽቦ ኣጋጣሚታትን ድግሳትን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ከልዕሎን ንዓለም መስተንፈሲ ስኢንና፡ ተዓጺና እናበለ ኣብ ባይታ ዘየለ ነገር ከዘንቱን ናይ ሓሶት ትረኻታት ከውሕዝ ምጽንሑን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ መበል 39 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘስምዖ መደረ መቐጸልታ ናቱ እዩ። ስርዓት ብልጽግና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ምስ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ተደማሚሩ ምህላዉ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ወሳኒ ሕቶ ይኸውን ከምዘሎ ንሕብረት ኣፍሪቃ ክገልጽ ጸኒሑን ኣሎን። ዝያዳ ተቐባልነት መታን ክረክብ ድማ ብተናጸል ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕዳም ነቲ ኣብታ ከተማ ጥራይ ተሓጺሩ ዝርከብ ዓይኒ ዝደጒሕ መብራህትታት ብምርኣይ ነዚ ምዕባለ ንምድራዕ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ወሳኒ እዩ ዝብሉ መግለጺታት ክህብ ይስማዕ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓንዳሪ ስጒምቲ ብትሪ ክኹንን፡ ነቲ ዝቖመሉ ዕላማ ደው ክብል መዓዲ ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ።
3.3 ዞባዊ ውድብ ኢጋድ “መጋበርያ” ብልጽግና
ን27 ዓመታት ኣካል መጋበርያ ፖሊሲታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝጸንሐ ዞባዊ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ፡ ጠንቂ’ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተጋህደ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣይዝንጋዕን። ኢጋድ መጋበርያ ብምዃን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት’ዚ ዞባ ጣልቃ ክትኣቱ ቀጠልያ መብራህቲ ሂቡዋ እዩ። ከምዝፍለጥ ኣበርክቶ ኤርትራ ኣብ ምምስራትን ዳግም ምትዕርራይን’ዚ ውድብ እወታዊ እዩ ነይሩ። ኢጋድ መሰረት ዞባዊ ሽርክነት ብምዃን ጎረባብቲ ሃገራት ሓድሕድ ክተሓጋገዛሉ ዘኽእለን ቅርዓት ክኸውን ተሓሲቡ ነይሩ። እንተኾነ ንኤርትራ ንምንጻል ዝተሃንደሰ ግጉይ ፖሊሲ መተግበሪ እዩ ኮይኑ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ዘይሕጋዊ እገዳ ብመገዲ ኢጋድ ከምዝቐርብ እዩ ተገይሩ። ድሕሪ’ቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ፡ ብወገን ኤርትራ እቲ ኩነታት ተቐይሩ ስለ ዘሎ ሃናጺ ተራና ኣብቲ ውድብ ብዝሓየለን ዝተወደበን መገዲ ክንጻወት ዝብል ተበግሶ ተወሲዱ። ይኹን እምበር ስርዓት ብልጽግና ናብ ካልእ ሓሸውየ ብምእታዉ እቲ ኩነታት ካልእ መልክዕ ክሕዝ ተራእዩ።
3.4 ብሪኪስ
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ከይተረፈ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ተነፊጉና በጃኹም ዓገብ በሉልና ዝብል ብኽያት ዝተሓወሶ ቁዘማ በብእዋኑ ከስምዕ ጸኒሑ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ህውቱት ስትራተጂ ኣብ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ብሪኪስ ሕቶ ቀይሕ ባሕሪ ብወገን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ግዜ ይልዓል ኣሎ። ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣህጉራዊ መልክዕ ንኽሕዝ ከም ብሪክስ ዝመሰለ ምትእኽኻብ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ጽዑቕ ናይ ሓሶት ዘመተ ተካይድ ኣላ። እቲ ከም ጉልባብ እተቕርቦ ምኽንያት ድማ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምውሓስ እጃማ ንኸተበርክት ኣፍደገ ክርሓወላ ዝ ብል እዩ።
ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲነታት ሕልፊ ካልእ እዋን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ኣብ ወግዓዊ ገጻት ናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣገልግሎት ቆንስል፡ ዜጋታተን ናብ ኢትዮጵያ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ የጠንቅቓ ኣለዋ። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። ስርዓት ብልጽግና ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣንጻር ገዛእ ህዝቡ ኲናት የካየድ ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ሶማል፡ ዓፋር፡ ህዝብታት ደቡብን ዝኸፍአ ኩነታት ንዕዘብ ኣለና። ህዝቢ ነዚ ብብልጽግና ተኣዊጅዎ ዘሎ ኲናት ንምብርዓን ኪዳን ፈጢሩ ይቃለስ ኣሎ። ብልጽግና ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምትፍናንን ከምዝነግስ እዩ ገይሩ። ፖለቲካዊ ኣቃውማ ኢትዮጵያ ሰንኮፍ ክኸውን ዝኸኣለ ኣብ ኣተሃናንጻ ሃገራዊ መንነት ብዝተፈጥረ ጸገም’ዩ። ነዚ ሃጓፍ’ዚ ናብ ጥቕሙ ከውዕል ዝተበገሰ ብልጽግና ብግጉይ ዝኾነ ፖሊሲ ንብሄራት ኢትዮጵያ ብዘይጥዕም መገዲ’ዩ ክቕልሶ ዝርአ ዘሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃገራዊ ራእይ ዘይውንን ንቁልቁል ዘተፋንን ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ተመስሪቱስ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ግኑናት (elite) ክረብሕሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ብልጽግና ዝፈጠሮም ጸገማት ንኢትዮጵያ ዓቢ ግድል ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ብልጽግና ብሰፊሑ ዘጓሳጉሰሉ ስነ-ሓሳብ “ምድማር” ካብ ጸወታ ህዝባዊ ርክባት ዘይሓልፍ ንይምሰል ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምድንጋር ዝመጸ እዩ።
ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት
ቁጠባዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣሰካፊ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፡ ብደረጃ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝተመርሐ ኣብ ዳግመ ምትዕርራይ ሃገራዊ ዕዳ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ዝርርብ ክካየድ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ብልጽግና ነቲ ቀንዲ ማሕንቖ ቁጠባ ሃገር ኮይኑ ዝኸይድ ዘሎ 60 ቢልዮን ሃገራዊ ዕዳ ፍታሕ ከምጽኣሉ ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ መጠን ዕዳ እታ ሃገር እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብን ባንክ ዓለምን ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 261 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ተረኺቡ ኣሎ። ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምፍዋስ ተባሂሉ ዝተራዓመ ሓነቕቲ ቅድመ-ኩነት ነታ ሃገር ናብ ክትወጾ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ሸሚምዋ ይርከብ። ብኻልእ ሸነኽ ብልጽግና ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ ወጻኢታት መንግስቲ ክዓብን (ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ዝጸደቐ 2.34 ትሪልዮን ብር ባጀት) ኣብ ዝተፈላለዩ እትዋት መንግስቲ ልዑል ድጎማታት ክገብርን ተቐሲቡ ኣሎ። ሓይሊ ዓዳግነት ባጤራ ብር ኣንቆልቊሉ ክብሪ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዘይጸሮ ደረጃ ስለዝበጽሐ፡ ነዚ ፋይናንስያዊ ሕጽረት ንምፍዋስ እቲ ስርዓት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከይዱ ገንዘብ ክልምንን ልቓሕ ክሓትትን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰአር ሃብቲ’ታ ሃገር ብግቡእ ክምቕራሕ ብዘይምኽኣሉ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን፡ ከተማን ገጠርን፡ ክልላት፡ መንግስታውያንን ብሕታውያን ወሃብቲ ኣገልግሎታት (ትምህርትን ጥዕናን) ዝርአ ናይ ናብራ ፍልልይ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። በዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሕሰም ተቓሊዑ ይርከብ፡ ብረድኤት ዝነብር ቁጽሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ 21.4 ሚልዮን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተፈናቒሉ ዝርከብ ህዝቢ 4.5 ሚልዮን፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዘለዉ ህጻናት 8.32 ሚልዮን፡ ስራሕ ዘይብሎም ዜጋታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 5 ሚልዮን ይበጽሑ።
ቀንዲ ማሕንቖታት
ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ምልዓል ዝተደለየሉ ምኽንያታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ሓደ ካብኡ እዋናውያን ማሕንቖታት ኢትዮጵያ ግቡእ ዝኾነ መልሲ ክረክብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ዝኣክል፥
ዘይምዕሩይ ምቕርሐ ጸጋታት፥ ሃብቲ’ታ ሃገር ብግቡእ ክምቕራሕ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን፡ ከተማን ገጠርን፡ ክልላት፡ መንግስታውያንን ብሕታውያን ወሃብቲ ኣገልግሎታት (ትምህርቲን ጥዕናን) ዘሎ ናይ ናብራ ፍልልይ ኣዝዩ ገፊሕ እዩ። ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዳርጋ የለን።
ብልሽውናን ሳዕቤናቱን፥ ሱር ዝሰደደ ብልሽውና፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ኣሎ። ፊናንሳውያን ትካላት፡ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ፡ ትካላት ጸጥታ፡ ትምህርቲ፡ ሕጋዊ ጉዳያት፡ ሕክምናዊ ጉዳያት፡ ጉዳይ መሬት፡ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ምምሕዳራት፡ መዝነቶም ተጠቒሞም ረብሓታት ከኻዕብቱ ዝደልዩ ሓለፍቲ ብብዝሒ ዝርከበሉ ትካላት እዩ። ዓበይቲ ኮርፖሬሽናትን ፕሮጀክትታትን ኣደዳ ብልሽውና ኣሰራርሓ መንግስቲ ኮይነን ጸኒሐን እየን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ንምፍዋስ ሓንቲ ኮሚተ ምቛሙ ዝዝከር እኳ ኮይኑ ዛጊት ዝጥቀስ ውጽኢት ከተምጽእ ኣይከኣለትን።
ዝቕባበ፥ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። መንግስቲ ነዚ ሽግራት’ዚ ንምፍታሕ ዘርኣዮ ተበግሶ ዝጥቀስ ፍረ ኣይተረኽቦን። ብደሞዝ ዝነባባሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝኸበደ መነባብሮ ከሕልፉ ተቐሲቦም ኣለዉ።
ሃገራዊ ዕዳ፥ ሃገራዊ ዕዳ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቲ ቐንዲ ማሕልኾ ገስጋስ ቁጠባዊ ዕቤት ሓዲሽ መሪሕነት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኢትዮጵያ 28.1 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ናይ ደገ ልቓሕ ክህልዋ ከሎ፡ ውሽጣዊ ዕዳ ድማ 1.5 ትሪልዮን ብር ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ኣሃዛዊ ሓበሬታ ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ
ብልጽግና ዘልዓሎ ኣጀንዳ ባሕሪ ቀንዲ መንቀሊኡ ካብ ዘቤታዊ ሽግራት ንምምላጥን ናይ ግዳም ሓይልታት ዛዕባ ንምስሳይን እዩ። እንተኾነ ንኣህጉራዊ ሕግን ኣዕኑድ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ስለ ዝጻረር ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ሰሌዳ ቀሪቡ ዘሎ ኣሃዛት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩሉ መድያዊ ውድቀትን ወድዓዊ ኩነታትን ዘነጽር እዩ.
መደምደምታ
ኣብ ሓምለ 2018 መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምኽታሞ፣ ካብ ክልቲኦም ህዝብታት ሓሊፉ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ጎደና ምዕባለን ብልጽግናን ዝወስድ ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ። ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀደሙ መሳርዓቱ ብምድልዳል፡ ነቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይውክል መገዲ ብምንጻግ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዞባና ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትእምማንን ንምፍጣር ይጽዕር ኣሎ። ልኡላውነት ኤርትራ ብዝኾነ መገዲ ዝልወጥ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ህድኣትን ዓቕልን ከድሊ እዩ። “ግዜ” ንረብሓ ኤርትራ ስለ ዝዓዪ፡ ሕጂ’ውን ፍታሕ ናይቲ ጉዳይ ንግዜ ገዲፍካ መሳርዕካ ገጥ ኣቢልካ ከም ወትሩ ንኹሉ እንተታት ብንቕሓት ድሉው ምዃን የድሊ።
Filmona Teklay retweeted
There is no standoff between #Eritrea and #Ethiopia. There is no standoff caused by landlocked Ethiopia's push for sea access. There is only a publicly declared war of aggression by the Ethiopian regime aimed at annexing a neighboring country's sovereign territory.
@cgtnafrica
Talk Africa: Ethiopia-Eritrea Standoff
A decades-old rivalry in the Horn of Africa has reignited, pushing Ethiopia and Eritrea to the brink of yet another conflict. At the core of the standoff is Ethiopia's push for access to the sea. This week on #TalkAfrica we ask: What mediation mechanisms can stop this crisis before it escalates into a regional conflict? Watch the full show here: youtu.be/9iPlLUrN97E?si=I3tG…
Filmona Teklay retweeted
Potemkin Party's toxic/stale chorus is grotesquely on display again.
In the link below, the official mouthpiece of the regime (Fana Broadcasting Corporation -Arabic) tries to package, in its news item today, the PP's declared war of aggression in fallacious "historical and strategic terms".
1. In the first place, Ethiopia cannot "reclaim ports and maritime route" that it never owned except during its illicit presence in the bogus "Federation" and annexation periods. Annexation and forceful occupation do not confer historical/legal title to the occupying entity. International law 101.
2. The Eritrean people had paid precious sacrifices when their right to decolonization was denied in the 1940s to satisfy overriding geopolitical interests of major powers. As a result, they had to undergo through Africa's longest liberation struggle to achieve their inalienable national rights and human dignity which should not have been denied in the first place.
3. In the event, to deny and denigrate Eritrea's independence constitutes yet another transgression and political blasphemy of the highest order.
xitter.cf/fana_arabic/status/211…
إعادة بناء القوات البحرية الإثيوبية خطوة استراتيجية لحماية المصالح الوطنية وتعزيز الأمن البحري في القرن الأفريقي، وتأكيد على مساعي البلاد المستمرة لاستعادة منفذها البحري الحيوي.
fanamc.com/arabic/%d8%a7%d9%…
#إثيوبيا #القوات_البحرية #القرن_الأفريقي
Filmona Teklay retweeted
መኸተ (Mekhäte) is more than struggle. It is the collective resolve to confront challenges, defend dignity, overcome adversity, and advance a shared purpose.
🇪🇷 Eritrea’s liberation spirit lives on when memory becomes responsibility, solidarity becomes action, and sacrifice becomes a commitment to the future.
🇪🇹 Ethiopian historical revisionism and irredentism continue to underestimate Eritrean resolve. Rather than learning from history and the failures of past regimes, those pursuing confrontation with Eritrea risk repeating its devastating costs—not least for Ethiopian lives and the Horn of Africa’s yearning for peace.
Respect Eritrea’s sovereignty. Choose peace over aggression.
#Eritrea #መኸተ #StandWithEritrea #EritreaPrevails #RespectEritreasSovereignty #UAEStopWarFinancing #UAEBloodOnYourHands
🤖 Made with AI
ትግራይ #TDF ንኢትዮጵያዊ ኣየር መንገዲን መዕርፎ ነፈርቲ መቐለን ከም ወተሃደራዊ ዒላማታት ክወስዶም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ከም ዝሃበ ይገልጽ ምክንያቱ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መረጋገጺ እዬ::@PMEthiopia @MFAEthiopia @EthiopianNewsA @flyethiopian @UKinEthiopia @HabtamuAyalew21
Filmona Teklay retweeted
The mighty United States, which has been spending hundreds of billions of dollars annually for decades on its military, invaded both Afghanistan and Iraq with relative ease, deploying the most advanced weaponry humankind could develop, accompanied by hundreds of thousands of military personnel on the ground.
After 20 years of unrelenting violence, killings, destabilisation, and utter misery, the US literally ran out of #Afghanistan with its tails between its legs, handing power back to the very Taliban we had been told possessed little more than Stone Age rifles, alongside a Stone Age ideology and political outlook.
Anyone who fails to learn a lesson from that does not understand why Trump came to power in the first place.
Now, let us turn to Abiy Ahmed, who governs a country that is just one bad season away from starvation and a humanitarian crisis. His government is addicted to debt and aid like a junkie is addicted to the next hit. The political landscape is so fractured and polarised that a single incident could easily trigger the country's balkanisation. The national military is engaged in armed conflict with every major ethnic group in a country comprising 89 ethnic groups. The government relies almost entirely on one small country, the UAE, for its very survival, and so on and so forth.
Without me saying anything more, the conclusion writes itself.
Abiy is dreaming of launching a full-scale invasion of #Eritrea and occupying either the entirety of its sovereign territory or parts of it.
Yes, of course, people will die, and there will be immense suffering and misery. Nobody can deny that. But one thing is certain: Abiy will never succeed in occupying Eritrea's coastal territory. Not even an inch.
What is far less certain, however, is the continued existence of #Ethiopia as a nation-state.
Some PP activists are intoxicating their narrow ethnic base with the slogan: “IT IS NOW OR NEVER!”
And the opportunity they see in this moment is the creation of an independent Oromia, with access to a seaport from which to project power for centuries to come.
I know this may sound far-fetched simply to say it. But let us watch what they do, not what they say.
Who is going to save #Ethiopia from self-combustion? Is it too late?
ካብ 21 ክሳብ 25 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኪሲሙ - ኬንያ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026 ንእትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ትማሊ 17 ጥቅምቲ ወግዓዊ መፋነዊ ስነ-ስርዓት ተገይሩላ።
በአቢይ አህመድ የሚመራው የኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኦህዴድ) ብልጽግና፣ “አዲስ አበባ የእናንተ አይደለችም” ሲል፣ አሁን ደግሞ “አሰብ የኢትዮጵያ ናት” ብሎ ሕዝቡን ከጎኔ ተሰለፉ ሲል፣ የኢትዮጵያ ሕዝብ ሞኝ፣ ደንቆሮና ቂል ነው ወይ? ከዚህ በላይ ንቀት ምን አለ?
የኢትዮጵያ ሕዝብ መልስ መስጠት ያለበት በዚህ ላይ ነው!
በጦርነት፣ በትምህርትና በእውቀት ምንም ዓይነት ልምድ የሌለው ሰው እንደፈለገ ሲጫወትበት፣ የኢትዮጵያ ሕዝብ በራሱ ማፈር አለበት።
አንድ ሚሊዮን ሕዝብ እንኳን የሌላትን፣ በ1962 በፔትሮዶላር እድገት ከዘላኖች ወደ ከተማነት የተሸጋገረች አገር ለከፋ አገዛዝ አሳልፎ የሰጠን ሰው፣ ዛሬ ኢትዮጵያውያንን እንደፈለገ ሊያንበረክክ ከቻለ፣ በአቢይ አህመድ ጩኸትና አጀንዳ እየተመራን ከሆነ፣ ጥፋተኛው አቢይ አህመድ ብቻ አይደለም፤ እኛም ነን! @AbiyAhmedAli
#Eritrea #Ethiopia #Assab #Peace
Filmona Teklay retweeted
I have been trying to establish when an Abyssinian ruler first showed interest in acquiring a sovereign ownership of a seaport. The first time ever I can find an Abyssinian ruler who sought to administer it under his rule was in 1935, when Haile Selassie, while based somewhere in Wollo during the Italian invasion of Ethiopia, sought a sovereign outlet to the sea as part of negotiations with the invading Italian army.
There is absolutely no historical evidence of any Abyssinian ruler administering, ruling, claiming any part of the coastal territory prior to the 1930s. All earlier requests concerning access to the sea appear to have focused only on securing the safe passage of goods and weapons from different parts of the Abyssinian highlands and the Oromia hinterland, primarily through Zeila and Massawa, rather than seeking sovereign ownership of a coastal port.
What surprised me most during my research was the nature of Haile Selassie’s secret negotiations with Mussolini while the Italian invasion was underway. The archival material examined in recent scholarship reveals that secret negotiations between representatives of Haile Selassie and the Italian authorities took place during this period, with various deals being considered between 1935 and 1940.
Through diplomatic intermediaries, including British and French channels, proposals from Haile Selassie involved offering Italy extensive territorial concessions in exchange for a sovereign Ethiopian outlet to the sea. These proposals included giving away the Ogaden and parts of Tigray, alongside arrangements to put the rest of Abysinian territory under Italian or League of Nations protectorate. In return, Haileselasie was requesting either Assab, under Italian control, or Zeila, under British control.
The proposed arrangements ultimately failed to produce the desired settlement, mainly because the conflicting interests in Europe with the rise of the German Nazis in partnership of the Fascist Italy. The negotiations continued over several years, with British and French involvement, and the issue of Sea-access by Haileselasie was discussed in the British Parliament on 19 December 1935.
There is absolutely no documentary evidence that Abyssinian rulers or chiefs, before these 1935 negotiations, fought for, claimed, administered or exercised sovereign ownership over any coastal territory. There is an important distinction: seeking commercial access to a port is not the same as claiming sovereignty over the port or the surrounding coastline.
Historical documents suggest that earlier Abyssinian rulers, including Menelik II, only pursued access to the coast through agreements with the powers exercising control over the ports and trade routes.
The ports along side the Red Sea coast (from Suez Canal until the southern parts of the Red Sea) were historically under the Turks, Egyptians but primarily the local Afar sultans and communities exercised varying degrees of control until the Italians, the French and the British powers exercised a firm colonial control towards the end of the 19th century in both sides of the Red Sea.
You can find a lot of historical documents and maps that proves no connection between any Abysinian rules and the coastal territories, while there is no evidential proofs otherwise. If there are, I would be interested in seeing documentary evidence that establishes an earlier claim by an Abyssinian ruler to sovereign ownership of a seaport. If such evidence exists, it would be important to distinguish it from agreements concerning transit, trade, weapons shipments or commercial access.
You can read the detailed and well referenced study of the negotiations between Haile Selassie’s representatives and Mussolini’s Italy, covering the period from 1935 to 1940, in the following Cambridge University research paper:
Negotiating Empire: The Secret Talks between Italy and Ethiopia in Italian Archive Documents, 1935–1940
cambridge.org/core/journals/…
Today, Abiy Ahmed speaks about give and take negotiations in regards to having a sovereign sea access. After reading about the negotiations mentioned above, I wonder what crazy ideas is he entertaining in his crazy head.
Filmona Teklay retweeted
Successful cataract surgery on over 1,600 patients
As a result that the Ministry of Health has been making substantial investment on the development of human resources and medical equipment, successful cataract surgery has been performed on 1 thousand 650 patients.
The surgeries were performed on patients in the sub-zones of Tesenay, Golij, and Akordet through collaboration between Berhan Aini Referral Hospital and the Ministry of Health branch in Gash Barka Region.
Dr. Eyob Beyn, coordinator of the program and an eye surgeon, said that more than 2,000 patients from the sub-zones of Mensura, Mogolo, and Akordet underwent eye examinations and received medical care at Akordet Hospital.
Dr. Eyob also called on the public to visit health facilities if they experience symptoms of eye problems and to carefully follow the advice provided by medical professionals.
Dr. Eyob commended local administrators and other partners for their contributions to the successful implementation of the program.
The beneficiaries, for their part, said that the successful surgeries had restored their vision. #Eritrea
ርእሰ ዓንቀጽ: ንተንኰል ስርዓት ብልጽግና ዘቃልዐ ተወሳኺ ስጒምቲ!
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስጓግ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቀዋሚ ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ዝምልከት ሕጋዊ ናይ ተቓውሞ ደብዳበታት፡ ብ12 ጥቅምቲ ናብ ኣብያተ-ጽሕፈት ክልቲኡ ውድባት ሰዲዱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መልእኽቱ፡ እዚ ተግባር’ዚ ቅሉዕ ጥሕሰት መትከላት ልኡላዊ ምዕሩይነት ሃገራት ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዓንቀጽ 15 ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያ ከም ኣአንጋዲት ሃገርን ዝተገብረ ውዕል ናይ 2008፣ ንውሕስነት ወከልቲ ኣባል ሃገራት ዝምልከት ውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ 1965፣ ከምኡ’ውን ካልእ መሰረታዊ ኣህጉራዊ ስምምዓት ከምዝዀነ ብምንጻር፡ ኣባልነት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት፡ ኣአንጋዲት ሃገር ብእትወስዶ በይናዊ ስጒምቲታት ክገሃስ ከምዘይግባእ ኣስሚሩሉ።
ውክልና ኣብ’ተን ውድባት ኣብ ቃሕታ ወይ ቀውፊ ካልእ ኣባል ሃገር ክምርኰስ ዘይግባእ ልኡላዊ መሰል ስለዝዀነ፡ ኣራሚ ስጒምቲታት ተወሲዱ፡ ኤርትራ - ከም ልኡላዊትን ማዕረ ኣባል ሃገርን፡ ኣባልነታን ምሉእ ተሳታፍነታ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታትን ክረጋግጽ ጸዊዑ’ሎ።
እዚ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ናይ ምብራርን ዝምድና ናይ ምብታኽን ስጒምቲ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዒላማ ብምግባር ተካይዶ ዘላ ግህሰትን ጥሕሰትን’ዩ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት 2026 ጀሚሩ ንወግዓዊ ደብዳበታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምላሽ ምሃብ ብምቁራጽ፡ ርክባቱ ምስ’ቲ ሚኒስትሪ በቲኹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከይሓበረ፡ ብ8 ነሓሰ 2026 ኣባላቱ ካብ ኤርትራ ኣውጺኡ። እዚ፡ ነቲ ልሙድ ዲፕሎማስያዊ ስርዓት ዝጻረር ስጒምቲ፡ ምጥጣሕ ባይታ ንካልእ ዘንቀደ ተንኰል’ዩ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ኣብ ኣስመራ ክትዓጹ ድሕሪ ምውሳና፡ ብ1 ጥቅምቲ 2026 - ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ዝተመደቡ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጹ ኣዚዛ። እንተዀነ፡ እቶም ዝተሰጉ ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰኑ፣ እንተላይ ኣብ’ተን ውድባት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ብምዃኖም፡ እቲ ስጒምቲ - ቅሉዕ ጥሕሰት ናይ’ቲ ንኣባልነትን ተሳታፍነትን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ዘመሓድር ኣህጉራዊ ሕግን ውዕላትን ስለዝዀነ፡ ክቕልበስ ምሕታት ልኡላዊ መሰል’ዩ። #Eritrea
ለሀገር መከላከያ ተዘጋጅተናል፣ በሙሉ ራስ መተማመን
ምርጫችን ጦርነት አይደለም። ምርጫችን ሰላም ነው፤ ምኞታችንም ዘላቂ ሰላም ነው። ፍላጎታችን መልካም ጉርብትናና የክልላዊ ትብብር ነው።
ሰላምን የሚጠሉ፣ ጦርነትን የሚመርጡ፣ በሕዝባቸው ላይና በጎረቤቶቻቸው ላይ ጦርነት የሚያውጁ፣ የሌሎችን መሬትና ባሕር በኃይል ነጥቀው ለመያዝ የሚሹ ወገኖች በተደጋጋሚ ገጥመውናል። ከትናንት በስቲያ፣ ትናንትና ዛሬም።
የ«ብልጽግና» ቡድን፣ «ዓሰብን፣ አልፎ ተርፎም ኤርትራን በፈቃድም ይሁን በግድ እንወስዳለን፤ በፈቃድ ካልሆነ በኃይል እንጨብጣለን» በማለት ዓለም አቀፍ ሕግን በመጣስ ጦርነት ካወጀብን ሦስት ዓመታት ሆነዋል።
ጦርነትን ለማስወገድና ሰላምን ለማስጠበቅ ስንል ለሦስት ዓመታት ታግሰናል፤ ራሳችንንም ገትተናል።
ባለፈው ዓርብ፣ ጥቅምት 9፣ የብልጽግና ቡድን በኤርትራ ላይ እርምጃ ለመውሰድ፣ ማለትም ጦርነት ለመጀመር መሆኑን ለተባበሩት መንግሥታት የጸጥታ ምክር ቤት አሳውቋል። በመሬት ላይም በመላው ኢትዮጵያ ግጭትና ትርምስ እየተባባሰ ባለበት ሁኔታ፣ ወታደሮቹን በድንበራችን አስጠግቷል።
ሀገራችንን፣ ነፃነታችንን፣ ክብራችንን፣ የሰማዕታትን አደራና የወጣቶቻችንን ብሩህ የወደፊት ዕጣ ፈንታ ለመጠበቅ መከላከል ግዴታችን ነው። መብታችንም ነው። ይህ በዓለም አቀፍ ሕግ የተረጋገጠ የማይነጠቅ መብት ነው።
ለመከላከልም ተዘጋጅተናል። የመከላከያ ኃይላችን የመከላከያ ጦርነት ለመመከት በድንበሮቻችን ላይ ሰፍሯል። ሕዝባችንም በሀገር ውስጥም በውጭ ሀገራትም ተሰልፏል። ምክንያቱም በኤርትራ የመከተ ትግል ሁልጊዜ ሕዝባዊ ነው።
የመከተ ትግላችን ወታደራዊ ብቻ አይደለም። ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ የሚዲያ፣ የባህል፣ የኢኮኖሚና የፋይናንስ ትግልም ነው። ሁሉን ያካተተ ትግል ነው።
ከፊታችን ከባድ ፈተና እንዳለ እንገነዘባለን። እንደ ቀድሞው በጽናት፣ በቆራጥነት፣ በቁርጠኝነትና በትጋት ሳንታክት እንመክታለን።
ሀገራችንን እየተከላከልን ነው፤ በሙሉ ራስ መተማመን።
ማስታወሻ፦ ይህ የትግርኛው ጽሑፍ ወደ አማርኛ የተደረገ ትርጉም ነው። በጽሑፉ ውስጥ የቀረቡት የፖለቲካና የወታደራዊ ሁኔታ መግለጫዎች የዋናው ጽሑፍ አቋም ናቸው፤ እዚህ ላይ በተናጠል የተረጋገጡ እውነታዎች እንደሆኑ አይቀርቡም።
#EDF
ለሀገር መከላከያ ተዘጋጅተናል፣ በሙሉ ራስ መተማመን
ምርጫችን ጦርነት አይደለም። ምርጫችን ሰላም ነው፤ ምኞታችንም ዘላቂ ሰላም ነው። ፍላጎታችን መልካም ጉርብትናና የክልላዊ ትብብር ነው።
ሰላምን የሚጠሉ፣ ጦርነትን የሚመርጡ፣ በሕዝባቸው ላይና በጎረቤቶቻቸው ላይ ጦርነት የሚያውጁ፣ የሌሎችን መሬትና ባሕር በኃይል ነጥቀው ለመያዝ የሚሹ ወገኖች በተደጋጋሚ ገጥመውናል። ከትናንት በስቲያ፣ ትናንትና ዛሬም።
የ«ብልጽግና» ቡድን፣ «ዓሰብን፣ አልፎ ተርፎም ኤርትራን በፈቃድም ይሁን በግድ እንወስዳለን፤ በፈቃድ ካልሆነ በኃይል እንጨብጣለን» በማለት ዓለም አቀፍ ሕግን በመጣስ ጦርነት ካወጀብን ሦስት ዓመታት ሆነዋል።
ጦርነትን ለማስወገድና ሰላምን ለማስጠበቅ ስንል ለሦስት ዓመታት ታግሰናል፤ ራሳችንንም ገትተናል።
ባለፈው ዓርብ፣ ጥቅምት 9፣ የብልጽግና ቡድን በኤርትራ ላይ እርምጃ ለመውሰድ፣ ማለትም ጦርነት ለመጀመር መሆኑን ለተባበሩት መንግሥታት የጸጥታ ምክር ቤት አሳውቋል። በመሬት ላይም በመላው ኢትዮጵያ ግጭትና ትርምስ እየተባባሰ ባለበት ሁኔታ፣ ወታደሮቹን በድንበራችን አስጠግቷል።
ሀገራችንን፣ ነፃነታችንን፣ ክብራችንን፣ የሰማዕታትን አደራና የወጣቶቻችንን ብሩህ የወደፊት ዕጣ ፈንታ ለመጠበቅ መከላከል ግዴታችን ነው። መብታችንም ነው። ይህ በዓለም አቀፍ ሕግ የተረጋገጠ የማይነጠቅ መብት ነው።
ለመከላከልም ተዘጋጅተናል። የመከላከያ ኃይላችን የመከላከያ ጦርነት ለመመከት በድንበሮቻችን ላይ ሰፍሯል። ሕዝባችንም በሀገር ውስጥም በውጭ ሀገራትም ተሰልፏል። ምክንያቱም በኤርትራ የመከተ ትግል ሁልጊዜ ሕዝባዊ ነው።
የመከተ ትግላችን ወታደራዊ ብቻ አይደለም። ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ የሚዲያ፣ የባህል፣ የኢኮኖሚና የፋይናንስ ትግልም ነው። ሁሉን ያካተተ ትግል ነው።
ከፊታችን ከባድ ፈተና እንዳለ እንገነዘባለን። እንደ ቀድሞው በጽናት፣ በቆራጥነት፣ በቁርጠኝነትና በትጋት ሳንታክት እንመክታለን።
ሀገራችንን እየተከላከልን ነው፤ በሙሉ ራስ መተማመን።
ማስታወሻ፦ ይህ የትግርኛው ጽሑፍ ወደ አማርኛ የተደረገ ትርጉም ነው። በጽሑፉ ውስጥ የቀረቡት የፖለቲካና የወታደራዊ ሁኔታ መግለጫዎች የዋናው ጽሑፍ አቋም ናቸው፤ እዚህ ላይ በተናጠል የተረጋገጡ እውነታዎች እንደሆኑ አይቀርቡም።
@AbiyAhmedAli @MFAEthiopia
ንምክልኻል ሃገር ተዳሊና’ለና፡ ብምሉእ ርእሰ-ምትእምማን
ምርጫና ኲናት ኰይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ምርጫና ሰላም፡ ሃረርታና ዘላቒ ሰላም’ዩ። ድልየትና፡ ጽቡቕ ጒርብትና፡ ዞባዊ ምትሕብባር።
ሰላም ዝጽየኑ፡ ኲናት ዝምርጫኦም- ኲናት ኣንጻር ህዝቦም ኲናት ኣንጻር ጐረባብቶም- መሬትን ባሕርን እንዳማቶም ኣህሪፉ ዘጽድፎም ግን ብተደጋጋሚ ገጢሞምና። ብቕድሚ ትማል፡ ትማል፡ ሎሚ።
ጉጅለ ‘ብልጽግና’፡ “ዓሰብ፡ ወረ መላእ ኤርትራ፣ ብውዲ ወይ ግዲ፡ ብውዲ ስለዘይከውን ድማ ብሓይሊ ክጐብጥ’ዩ” ብምባል ኣህጉራዊ ሕጊ ረጊጹ፡ ኲናት ካብ ዝእውጀልና ሰለስተ ዓመት ኰይኑ።
ኲናት ክንውግድ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ሰለስተ ዓመት ተጸሚምና፡ ነብስና ገቲእና።
ዝሓለፈ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ፡ ብልጽግና፣ ኣንጻር ኤርትራ ስጉምቲ ክወስድ፡ ማለት ኲናት ክጅምር ምዃኑ ንባይቶ ጸጥታ ኣፍሊጡ። ኣብ ባይታ ድማ፡ ብድሕሪኡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሓዊ ተባሪዑ ከሎ፡ ሰራዊቱ ኣብ ዶባትና ኣጸጊዕዎ ኣሎ።
ንሃገርና፡ ንናጽነትና፡ ንክብረትና፡ ንሕድሪ ሰማእታትና፡ ንብሩህ መጻኢ መንእሰያትና ንሃገርና ክንከላኸል ግድነት ኢዩ። መሰልና ድማ’ዩ። ኣህጉራዊ ሕጊ ዝድርዖ ዘይንፈግ መሰል።
ተዳሊና ድማ ኣለና። ሓይልታት ምክልኻልና፡ ንናይ ምክልኻል ኲናት፡ ኣብ ዶባቱ ዓሪዱ ኣሎ። ህዝብና ከቲቱ ኣሎ- ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን። ኣብ ኤርትራ መኸተ ወትሩ ህዝባዊ ስለዝዀነ።
መኸተና ወተሃደራዊ ጥራይ ኣይኰነን። ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናዊ፡ ባህላዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፊናንስያዊ ኢዩ። ኲለንትናዊ ኢዩ።
ኣብ ቅድሜና ተሪር ዓቐብ ምህላዉ ንግንዘብ ኢና። ከም ቀደምና፣ ነኺስና፡ ጸኒዕና፡ ተወፊና፡ ከይተሓለልና ክንምክት ኢና።
ንሃገርና ንከላኸል ኣለና፡ ብምሉእ ርእሰ-ምትእምማን።
Filmona Teklay retweeted
ንተንኰል ስርዓት ብልጽግና ዘቃልዐ ተወሳኺ ስጒምቲ!
خطوة جديدة تفضح خبث "نظام الازدهار"
أرسلت وزارة الشؤون الخارجية ، بتاريخ 12 أكتوبر، مذكرات احتجاج رسمية إلى مكتبي الاتحاد الأفريقي ولجنة الأمم المتحدة الاقتصادية لأفريقيا، بشأن الإجراء الذي اتخذته الحكومة الإثيوبية بطرد الدبلوماسيين الإريتريين من الاتحاد الأفريقي، والممثل الدائم لدى الاتحاد الأفريقي ولجنة الأمم المتحدة الاقتصادية لأفريقيا.
وأكدت وزارة الخارجية في رسالتها أن هذا الإجراء يشكّل انتهاكًا صارخًا لمبادئ السيادة والمساواة بين الدول الأعضاء في الاتحاد الأفريقي، وللمادة 15 من اتفاق عام 2008 المبرم بين الاتحاد الأفريقي وإثيوبيا بوصفها الدولة المضيفة، ولاتفاقية الاتحاد الأفريقي لعام 1965 المتعلقة بحصانات ممثلي الدول الأعضاء، فضلًا عن اتفاقيات دولية أساسية أخرى، مشددةً على أن العضوية في المنظمات الإقليمية والقارية لا يجوز إنتهاكها بإجراءات أحادية تتخذها الدولة المضيفة.
وبما ان التمثيل في هذه المنظمات حقٌّ سيادي لاينبغي أن يخضع لرغبة دولة عضو أخرى أو نزواتها، دعت الوزارة إلى اتخاذ تدابير تصحيحية، وإلى ضمان حقوق إريتريا بوصفها دولة ذات سيادة وعضوًا متساوي الحقوق، وضمان عضويتها ومشاركتها الكاملة في الأنشطة التي تُنظَّم.
إن هذا الإجراء الإثيوبي المتمثل في طرد الدبلوماسيين الإريتريين وقطع العلاقات معهم هو استمرار للانتهاكات والتعديات التي تستهدف سيادة إريتريا ووحدة أراضيها.
وكانت سفارة إثيوبيا في أسمرة قد توقفت منذ شهر مايو 2026 عن الرد على المراسلات الرسمية الصادرة عن وزارة الخارجية، وقطعت اتصالها بالوزارة، ثم سحبت أفرادها من إريتريا في 8 أغسطس 2026 دون إخطار وزارة الخارجية الإريترية. وكان ذلك إجراءً مخالفًا للأعراف الدبلوماسية المتبعة، ومكيدةً هدفها تهيئة الأرضية لما هو أخطر.
وبعد أن قررت إثيوبيا إغلاق سفارتها في أسمرة، أمرت في 1 أكتوبر 2026 الدبلوماسيين الإريتريين المعتمدين لديها، ولدى الاتحاد الأفريقي ولجنة الأمم المتحدة الاقتصادية لأفريقيا، بمغادرة البلاد خلال 48 ساعة. غير أن الدبلوماسيين المطرودين لم يكونوا معتمدين لدى إثيوبيا فحسب، بل كانوا يعملون ضمن هاتين المنظمتين أيضًا، ولذلك فإن هذا الإجراء يمثل انتهاكًا صارخًا للقانون الدولي والاتفاقيات التي تحكم العضوية والمشاركة في المنظمات الإقليمية والقارية، وإن المطالبة بإلغائه حقٌّ سيادي.



























